ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኻት መራሕቲ ዕልዋ ማሊን በርኪናፎስን ናብ ኒጀር ይበጽሑ


ፎቶ ፋይለ፡ ደገፍቲ ንመራሒ ዕላዋ ኒጀር ዘለዎም ድጋፍ ኣብ ኒያመ ክገልጹ ይርኣዩ።
ፎቶ ፋይለ፡ ደገፍቲ ንመራሒ ዕላዋ ኒጀር ዘለዎም ድጋፍ ኣብ ኒያመ ክገልጹ ይርኣዩ።

(ዋሽንግተን) ልኡኻት ወተሃደራዊ ምምሕዳር ማሊን ቡርኪናፋሶን ምስቲ ኣብ ቀረባ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ ጁንታ ንምርኻብ ትማሊ ሰኑይ 7 ነሓሰ ኒጀር ኣትዮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ኣብ ጉዳያ እቲ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡን ፕረዚደንት ኒጀር ናብ ስልጣኖም ንምምላስ ዝተቐመጠ ቅድመ-ኵነት ንዘይምትግባሩ ብዝምልከት ንምዝታይ ንሓሙስ 10 ነሓሰ ኣብ ርእሰ ኸተማ ናይጀሪያ ኣቡጃ ንኽራኸቡ መደብ ኣብ ዘውፅእሉ እዋን እዩ።

ማሕበረሰብ ቍጠባ ሕብረት ሃገራት ምዕራብ አፍሪካ (ECOWAS) ንመራሕቲ እቲ ዕልዋ ስጋብ ዝሓለፈ ሰንበት ስልጣን እቶም ዝተመርፁ ፕረዚንት ክመልሱ እንተዘይኮይኑ ወታሃደራዊ ምትእትታው ከምዘፍቅድ ንዘውፀኦ ትእዛዝ ብምንፃግ፡ እቲ ጁንታ ንክሊ ኣየር ኒጀር ዓፅዩ ሃገሩ ክከላኸል ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኢኮዋስ ብወገኖም ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ስረሖም እንተዘይተመሊሶም ክውሰድ ዝኽእል ውጥን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብዓርቢ ተሰማሚዖም እዩም።

ይኹን'ምበር ካብቶም ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝርከቡ መራሕቲ ጁንታ ዘድሊ እንተኾይኑ ክሳብ ወተሃደራዊ ድጋፍ ንኒጀር ንምሃብ ድሉዋት ምዃነን ቃል ብምእታው ነቲ ሓድነት በቲኸንኦ። ክልቲአን ኣባል ሃገራት ልኡኻትን ናብ ኒያመ ብምልአኽ ደገፈን ምርኣየን ሰራዊት ማሊ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ገሊፁ። ፀኒሑ ድማ መራሒ ልኡኻት ማሊ፡ ሃገሩ ንጁንታ ኒጀር ትህቦ ድጋፍ ደጊሙ ገሊፁ ይብል ካብ ሮይተርስ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG