ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ምቕጻሉ የመልክት


Migration Europe
Migration Europe

(ዋሽንግተን) መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዀነ መሓመድ ባቢከር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝለኣኾ ሪፖርት፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት የጋጥሞም ኣሎ ኢሉ። እቲ መርማሪ ኣካል ኣብቲ ብጽሑፍ ዝቐረበ ጸብጻቡ፡ ኣብቲ “ገደብ ኣልቦ” ዝበሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓያሎ ንግዱድ ጉልበታዊ ስራሕ፡ ጾታዊ ዓመን ንሰብኣዊ ክብሪ ዝትንክፍ ኣተሓሓዛን ከም ዝገጥሞም ሓቢሩ።

እቲ መርማሪ ኮሚሽን ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታኡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ምዃኖም ድሕሪ ምምልካት፡ ካብቶም ሓበሬታ ዝኣከበሎም ወገናት እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደተ እቲ ግደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ከም ዝገለጹሉ ኣመልኪቱ።

ባብኪር ኣብቲ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዘረከቦ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ስራሕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነቶም ኣፍረይቲ ዜጋታት ሃገር ገዲፎም ንኽስደዱ ይደፍእ ስለ ዘሎ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ቍጠባዊ ዝሕታለ እታ ሃገር’ዩ ክብል ሓቢሩ።

እቲ ሱዳናዊ ዝዀነ መራሒ መርማሪ ኮምሽን መሓመድ ባቢክር፡ ንኤርትራ ኣትዩ ስራሓቱ ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ ደጋጊሙ ሓቢሩ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናት ምፍጻሙ ዘምልክት ሓበሬታ ከም ዝኣከበ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብፍሉይ ከኣ ስድራቤቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ዝቐጽዕ ሓያሎ ጥርዓናት ከም ዝኣከብ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ።

XS
SM
MD
LG