ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

78 ዝኽሪ ሂሮሺማ ምኽንያት ብምግባር፡ "ሕጂ'ውን ኣይፋል"


Anti-war demonstrators march and protest on Hiroshima anniversary, in New York
Anti-war demonstrators march and protest on Hiroshima anniversary, in New York

(ዋሽንግተን) ቅድሚ 78 ዓመታት ኣብ ሂሮሺማ ዝተፈጸመ ኣቶሚክ ቦምብ ንምዝካር ትማሊ ውሕድ ዝበሉ ጸረ- ኲናት ተሓለቕቲ ኣብ ታይምስ ስኩየር ኒው-ዮርክ ንናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወጽዮም ኔሮም።

እቲ ዝኽሪ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኑክሌር ዓለምና ዝስማዕ ዘሎ፡ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ተኽእሎታት ምጥቃም ኑክሌር ክብ ኣብ ተብለሉ ዘላ እዋን`ዩ።

እቶም ሰልፊ ዝወጹ ተሓለቕቲ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንዩክሬን ዝገብሮ ድጋፍ ደው ከብል`ዮም ዝጠልቡ ኔሮም።

ኣብ ነሓሰ 6ተ ኣብ ሂሮሽማ ዝወደቐ ቦምብ፡ ንእለቱ ኣሸሓት ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ክሳብ መወዳእታ`ቲ ዓመት ድማ 140 ሺሕ ሰባት ሞይቶም።

ናጋሳኪ ድማ ድሕሪ ሳልስቲ ብ9ተ ነሓሰ 1945 ተደብዲባ፡ ድሕሪኡ ኣብ ነሓሰ 15፡ ጃፓን ስዕረታ ተቐቢላ- ምብቃዕ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኮይኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG