ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ 57 ተጓዓዝቲ ኣድሒኑ፡ ኣስከሬን ክልተ ረኺቡ


FILE PHOTO: Migrant onboard the NGO Proactiva Open Arms Uno rescue boat
FILE PHOTO: Migrant onboard the NGO Proactiva Open Arms Uno rescue boat

(ዋሺንግተን) ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ 57 ስደተኛታት ከድሕን ከሎ ክልተ ኣስከረን ድማ ኣውጺኡ --ኣብ ንእሽቶ ደሴት ካብ ዝጠሓላ ክልተ ጀላቡ።

28 ሰባት ገና ዝጠፍኡ ከም ዘለዉ ካብቶም ዝደሓኑ ነቶም ሓለውቲ ባሕሪ ነጊሮሞም ኣለዉ። እቲ ቦታ ካብ ደሴት ላምፓዱሳ 42 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ `ዩ።

ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ `ውን ካልእ ሓደጋ ኣጋጢሙ፡ 20 ዝኾኑ ክድሕኑ ከኢሎም ኣለዉ።

ከቢድ ማዕበልን ሓያል ንፋስን ንሓለውቲ ባሕሪ ኣጸጋሚ ከም ዝነበረን ናይ ሄለኮፕተራት ሓገዝ ከም ዝሓተቱን እቲ ዜና ይሕብር።

ብኡኡ መሰረት ካብቲ ኣብ ሲሲሊ ዝምደበሩ ሄሊኮፕተር ሓይሊ ኣየር ተዋፊራ ናይ ምድሓን ሓገዝ ከም ዝገበረት እቲ ሓለዋ ኣፍሊጡ`ሎ።

ክልቲአን ኣብ ሓደጋ ዝኣተዋ ጀላቡ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ቱንዝያ ከም ዝተበገሳ ተፈሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG