ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተጓዓዙ ፈተንቲ መምህራን ቦታኦም ምምላስ ይፅገሙ


ተመሃሮ ኣብ ክፍለ-ግዜ ጥዕና (ፋይል)
ተመሃሮ ኣብ ክፍለ-ግዜ ጥዕና (ፋይል)

ኣብ ዩኒቨርስታት ክልል ኣምሓራ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝሃቡ መማህራን፣ ብሰንኪ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ፣ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ከምዘይከኣሉ ንድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም። መንነቶም ክዕቀብሎም ዝሓተቱ’ሞ ንፈተና ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተላእኩ መመህራን ንምልላስ ከም ዘይከኣሉን ኣብ ውሽጢ ከተማታት’ውን ምንቅስቓስ ኣዝዩ ኣጸጋሙ ምህላዉን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ፕረዝደንት ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ ዝኾኑ ዶ/ር ፋሪስ ደሊል ድማ እቲ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዝተቐተለ መምህር ኣባሎም ከም ዝኾነ ምስጠቐሱ፣ ሕዚ ድማ ኣስከሬንን ነቶም ኣብቲ ክልል ዘለው መማህራን ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤን ምውፃእ ከምዘይተኸኣለ ሓቢሮም። ፕረዝደንት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ዶ/ር ጀማል ኣባፊጣ ብወገኖም፡ 53 መማህራን ናብ ዩኒቨርሲቲታት ጎንደር፣ ደባርቅን ደብረታቦርን ከምዝተመደቡ ጠቒሶም። ኮይኑ ግን፣ ኩሎም ናብ ጅማ ክምለሱ ስለዘይከኣሉ፣ ምስ ሚኒስተር ትምህርቲ ንዘራረብ ኣለና ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ድማ፣ ነቶም ኣብኡ ዝተመደቡ ፈተንቲ መማህራን ቀደሚ ከምዘፋነዎም ኣመልኪቱ ኣሎ። እንተኾነ፣ መንገድታት ብምዕፃዎም፣ ክሳብ ሕዚ ናብ ወለዶም ዘይተሰነዩ ተመሃሮ ከምዘለዉ፣ ኣቐባሊ ቃል እቲ ዩኒቨርሲቲ ግርማው ኣሸብር ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ብዛዕባ እዚ፣ ካብ ሚኒስቴር ትምህርትን፣ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራን ርእይዮ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ንሎሚ ኣይሰመረን። ቅድሚ ሰሙን ነዚ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ግን፣ እቶም መንገድታት ብምዕፃዎም ካብቲ ክልል ክወፁ ዘይከኣሉ መማህራንን ተመሃሮን ብሰላም ናብ ከባቢኦም ንምምላስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG