ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኒጀር ክሊ ኣየራ ትዓጹ፡ ኢኮዋስ የጠንቅቕ


A woman walks past taxi during a black out affecting some districts of the Niger capital Niamey on August 4, 2023.
A woman walks past taxi during a black out affecting some districts of the Niger capital Niamey on August 4, 2023.

(ዋሽንግተን) ኒጀር ክሊ ኣየራ ኣጽያ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ካብ ኢካዋስ ማለት ደምበ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ጣልቃ ምእታው ዝብል መጠንቀቕታ ምስ ተሰምዐ`ዩ።

መራሕቲ ዕልዋ ኒጀር ንፕረሲደንት መሓመድ ባዞም ናብ ስልጣና ክመስሉ ወይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክጽበዮም ዝብል ብኢካዋስ ደረት ግዜ ዝተዋህቦም ክኸውን ከሎ፡ መራሕቲ ዕልዋ ግን ነቲ ደረት ግዜ ብምንጻግ፡ ኣብ ልዕሊ ክሊ ሰማያተይ ክትበርር ዝፈተነት ሃገር፡ “ሓያልን ቅጽበታዊን” ስጉምቲ ክጽበያ`ዩ ዝብል ብቴለቪዥን መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።

ትማሊ ሰንበት ኣሸሓት ደገፍቲ ጁንታ ናብ ስታድየም ኒያሚ ብምውሓዝ ድጋፎም ገሊጾም`ዮም።

ብወከልቲ`ቲ ሓዲሽ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዝውሃብ ዝነበረ መግለጺ ድማ ብብርቱዕ ናይ ድጋፍ ድጋፍ ድምጺ ይስነ ኔሩ።

ኣብ ጽርግያታት ኒያሚ`ውን ነቲ ጁንታ ዝድግፉ ፖስተራት ይርኣዩ ኔሮም። “ ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዘእተወና እቲ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ`ዩ። እዚ ኩሉ ዝፈልጦ`ዩ። ብኢካዋስ ከም ዘይተሓጎስና ንምርኣይ ኢና ናብ ኣደባባይ ወጺና ዘለና “ ኢሉ ዓሊ ማዓዞ ዝተባህለ ደጋፊ`ቲ ሰልፊ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዕላዋታት መንግስታት ክካየድ እዚ ናይ ኒጀር 7ይ ግዜ`ዩ። ኒጀር ድማ ብዘለዋ ሃብቲ ኡራንየምን ነዳድን ንኣመሪካ ኤውሮጳ ቻይናን ሩስያን ኣገዳስነት ዘለዋ ሃገር`ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG