ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎንጺ ፋኖን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ይቕጽል


People walk along a street in the town of Metema in northwestern Ethiopia on August 1, 2023 across from Sudan's eastern town of Gallabat.
People walk along a street in the town of Metema in northwestern Ethiopia on August 1, 2023 across from Sudan's eastern town of Gallabat.

(ዋሽንግተን) እዚ ግጭት ፈደራል መንግስቲ፡ ንኽልላዊ ሓይልታት ምስ ሓይሊ ጸጥታ ወይ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ክሕወሱ መምርሒ ድሕሪ ምውራዱ’ዩ ተኸሲቱ። ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ኣዛዚ እዚ ፍሉይ ናይ ሓደጋ እዋን ዝዀነ ተመስገን ጥሩነህ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዕጡቓት ጉጅለ ፋኖ ንገለ ቦታታት ከም ዝተቖጻጸሩ ኣመልኪቱ። እቶም ዕጡቓት ንገለ እሱራት ዝነበሩ ካብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ ምውጻኦም ሓቢሩ። ዝርዝር ናይቲ ፋኖ ዝተቖጻጸሩዎ ቦታታትን ብዝሒ ናጻ ዝወጽኡ እሱራትን ግን ኣየመልከተን።

ጎንጺ ፋኖን ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ይቕጽል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:34 0:00

“ዕላማ እዞም ዕጡቓት ጕጅለ ክልላዊ መንግስቲ ኣልዮም ንፈደራላዊ ምምሕዳር’ውን ንምዕናው’ዩ፡” ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከተማታት ጎንደርን ላሊበላን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፋኖ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ በበይኑ ቦታታት ምልውዋጥ ተዅሲ ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ። ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ውዒሉ ኣሎ። እቲ ስድራ ዓውደ-ኲናት ምምሳሉ ድማ ነበርቲ ይሕብሩ። ነፈርቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰማያት ባህርዳር ምዝንባየንን ታንክታት ናብታ ከተማ ገጸን ክግስግሳ ምርኣየን ነበርቲ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሮም።

ሎሚ ሰኑይ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ንኸተማ ጎንደር ከምልሱሉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ክሰምዑ ከም ዝወዓሉ ነበርቲ ሓቢሮም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ላሊበላ፡ ጎንደርን ደሴን ዝነበሮ በረራታት ሰሪዙ ኣሎ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ብቴለፎን ተዛራሪቦም ኣለዉ። ብሊንክን በቲ ዘንቈልቍል ዘሎ ስእነት ጸጥታ ዘለዎ ሻቕሎት ኣካፊሉ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀነ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም’ውን እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ንዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ ኢሉ። ዶክተር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ ንዘይተገደበ ዋሕዚ ቀረባት ሕክምና ክወሓስ ጸዊዑ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምእንቲ ድሕነት ጸጥታ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ኣመልኪቱ። ብዓርቢ ድማ ኣባል ሰልፊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን (ኣብን) ተሪር ነቓፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ከምኡ'ውን ኣባላ ፓርላማ ዝዀነ ክሪስቲያን ታደለ ተኣሲሩ።

መንግስቲ ኣውጺኡዎ ብዘሎ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን፡ ምንቅስቓስ ክድርት፡ ሰዓታት እቶ-እቶ ከተግብር፡ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ክኽልክልን መሳርያን ካልኦት በላሕቲ ነገራትን ምሓዝ ዝኽልክል’ዩ። እቲ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ዛጊት ብፓርላማ ኣይሓለፈን ዘሎ።

  • ኣብ ድምጺ ተቐሪጹ ካብ ዘሎ ”ብሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም” ዝብል ድምጺ “ባዕሉ’ውን ተወላዲ ኢትዮጵያ ዝዀነ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብሰንበት…” ተባሂሉ ክእረም ምስናይ ይቕረታ ንሓትት።
XS
SM
MD
LG