(ዋሽንግተን) ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ፈስቲቫላት ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ምትፍናንን ጎንጺን ሓሊፉ። እዚ ኣብ ሲያትልን ቶሮንቶን ዝተኻየደ ፈስቲቫላት፡ እቲ ምትእኽኻብ መሳርሒ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ብምባል ክስረዝ ብዝሓቱ ዜጋታት’ዩ ከቢድ ተቓውሞ ዝጎንፎ ዘሎ።
ፈስቲቫል ቶሮንቶ፡ ቀዳም 5 ነሓሰ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ መዘናግዒ ስፍራ ይካይደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ--ፖሊስ እታ ከተማ ኣስታት 200 ኢሉ ዝገመቶም--እቲ መደብ ክስረዝን ክቋረጽን ደጋጊሞም እምቤታኦም ኣስሚዖም። ብሰንኪ’ቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ ድማ 9 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ከተማ ቶንሮንቶ ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣብቲ ባእሲ ተሃሪሞም ንሆስፒታል ዝተወስዱ ትሽዓተ ሰባት፡ ሓደ ብኻራ ዝተሃርመን ከቢድ መጕዳእቲ ዝወረዶን ምዃኑ ንምንጭታት ፖሊስ ጥቒሱ። ፖሊስ ቶሮንቶ ብዛዕባ’ቲ ጎንጺ ምርመራ ይገብር ምህላዉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ምስቲ ዝተፈጥረ ባህኢ ተተሓሒዙ ዝተኣስሩ ዜጋታት እንተልዮም ግን ኣየመልከተን።
ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ እቲ ጎንጺ ምስ ኣጓነፈ፡ መደብ እቲ ፈስቲቫል ቀጺሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ድ/ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ቶሮንቶ፡ ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ጽርግያ ከቲሮም፡ “ፈስቲቫል ይሰረዝ፡” ዝብል ጽሑፍ ዝሓዘት መኪና ገይሮም ጽርግያ ክዓጾ ገይሮም።
ምምሕዳር ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ንኸምቲ ዘጋጠመ ጎንጺን ዕግርግርን ኣብ ምምሕዳሩ ክፍጸም ስለ ዘየፍቅድ ነቲ ፈስቲቫል ካብቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ ናይ ሰንበት ናይ መዘናግዒ ፓርክ መደብ ከቋርጾ ከም ዝተገደደ ኣፍሊጡ። ምኽንያት ናይቲ ምቍራጽ እቲ ፈስቲቫል ምእንቲ ድሕነትን ውሕስነትን ዜንጋታት ምዃኑ ከተማ ቶሮንቶ ይሕብር። እቲ ምምሕዳር ኣብ መግለጺኡ፡ ብምኽንያት ምቍራጽ ናይቲ መደብ ብዛዕባ ክፍጠር ዝኽእል ክሳራ ምስ ወደብቲ እቲ ፈስቲቫል ክዛራረብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ፈስቲቫል ኣብ መዘናግዒ ፓርክ ዝነበሮ መደብ ድሕሪ ምስራዙ ግን ናይ ሆቴል መደባቱ ቀጺሉ። ኣብቲ ቅድሚ’ቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ሆቴል ተቓውሞ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ ግን እቲ ስሩዕ መደብ ቀጺሉ።
ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ ሲያትል ኣብ ዝተኸየደ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ዜጋታት ቀዳም ንግሆ፡ ንምድላው ዝቀራረብ ዝነበረን ዝተተኽለን ቴንዳታትን ካልእ መዳለዊታትን ኣፍሪሶም። እቲ ኣጋጣሚ ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ኣብቲ ቦታ ቅድሚ ምምጻኦም ስለ ዝተፈጸመ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝተራእየ ኣካላዊ ጎንጺ ኣይነበረን። እቲ ፈስቲቫል ከኣ በቲ ዝተመደበሉ ባህላዊ ንጥፈታትን ካልእን ቀዳምን ሰንበትን ቀጺሉ።
ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ ፈስቲቫላት ወጻኢ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ብተዛማዲ ሰላም ክካየድ ምጽናሑ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሕልፊ ኣብዚ ዓመት ግን ጎነጽ ዝተሓወሶ በበይኑ ተቓውሞታት ይገጥሞ ኣሎ። ኣብ ጊሰን ጀርመን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ን26 ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ዘቝሰለ ጎንጺ ካብ ተቓወምቲ ፈስቲቫል ክምዝገብ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዙ ኣብ ዝተቓንዐ ፈስቲቫል ስቶኮሎም ሽወደን ድማ ን52 ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ዘቝሰላን ቴንዳታትን መካይን እቲ ምድላው ዘቃጸለን ተርእዮ ጎነጽ ምምዝጋቡ ይዝከር።