ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም” ሚ/ር ትምህርቲ


Dr.Berhanu Nega (File)
Dr.Berhanu Nega (File)

(ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ሃገራዊ ፈተና፡ ሓሙሽተ ሰባት ምማቶም ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ነቲ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲታት ዝተውሃበ፣ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ምዝዛም ኣመልኪቶም ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፣ 840 ሺሕን 859 ተማሃሮ ከም ዝተወፈተኑ ተዛሪቦም። እቲ ከይዲ ፈተና፣ ብተዛማዲ ብሰላም ሓሊፉ ዝበሉ እቶም ሚኒስተር፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን በበይኑ ፀገማት ምንባሩ ጠቒሶም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ብዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፣ ሓደ መምህርን፣ ክልተ ኣባላት ፖሊስን ምማቶም፡ ከምኡ እውን፣ ኣብ ካልኦት 2 ዩኒቨርሲታት፣ ብፀገም ጥዕና ክልተ ተማሃሮ ከምዝሞቱ እቶም ሚኒስተር ጠቒሶም። ብምኽንያት እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ፣ 16 ሺሕ ተማሃሮ ናይ ትማሊ ድሕሪ ሰዓትን ናይ ሎሚን ፈተና ከምዘይወሰዱ እውን ሓቢሮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋምቤላ እውን ምምራዝ መግቢ ስለ ዘጋጠመ፣ ተማሃሮ ናብ ሕክምና ኣትዮም ከምዝነበሩን፣ ብሰንኪ እዚ ድማ 38 ተማሃሮ ፈተና ክወስዱ ከምዘይከኣሉን ፕሮፌሰር ብርሃኑ ተዛሪቦም። እቲ ፈተና ኣብ 45 ዩኒቨርሲቲታትን፣ 285 መፈተኒ ናቑጣታትን ከምዝተውሃበ ዘመልከቱ እቶም ሚኒስትር፣ ኣብ ሞንጎ ተማሃሮ ዝተልዓሉ ጉጅላዊ ጎንፅታት እውን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ኣካልን፣ ናይ ንብረት ዕንወትን ከም ዘስዓቡ ኣመልኪቶም። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም፣ ኣብ ትግራይ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ተፈተንቲ ዝነበሩ፣ ኮይኑ ግን ብምኽንያት እቲ ዝተወለዐ ኩናት ዘይተፈተኑ ተማሃሮ፣ ኣብ ዝመፅእ ዓመት፣ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 2 ጥቅምቲ ፈተና ከምዝወስዱ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG