ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መትረብ ፓናማ ብዝሒ ዝሓልፋ መራኽብ ከጕድል'ዩ


Panama Canal
Panama Canal

መትረብ ፓናማ ብምኽንያት ዝተናወሐ እዋን ድርቂ መጠን ዝሕዞ ማይ እናወረደ ብምምፅኡ በቲ ቐንዲ መገድታት ማይ ዝሓልፋ መጠን መራኽብ ክድረትን ትራፊክ ክቕንስን ምዃኑ ሰብ መዚ እቲ መትረብ ትማሊ ሓሙስ ገሊፆም።

ኣመሓዳሪ እቲ ብዓል መዚ ሪካርተ ቫስኲዝ ሞራለስ ከም ዝበሉዎ እቲ መትረብ “ዘይተለምደ ቅልውላው” ገጢሙዎ ብምህላዉ ነዚ ስጋብ ዝመፅእ ዓመት ወርሒ መስከረም ዝፀንሕ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ይገልፁ።

ንሶም ወሲኾም “ከም ሓቂ እንተኾይኑ ተቐያያራይ ባህሪያት ማይ ዝተፈላለየ እዩ፡ ቅዲ እቲ ዝናብ'ውን ከምኡ ዝተፈለየ እዩ፤ ስለዝኾነ ሐዚ እቲ ብምዕቋር ማይ ዘይፍታሕ ክውንነት ምትዕፅፃፍ ከድሊ ግድን እዩ” ኢሎም።

“ዋላ'ኳ መትረብ ፓናማ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝነውሐን ዝከበደን ደረቕ ወቕቲ እንተገጠሞ ሞራለስ ግን ብቕዓት ናይቲ መገዲ ክሕሉ ምዃኑ ይገልፁ። ዓለምለኻዊ ንግድታት ክቕፅል ስለዝኾነ ኣብዚ ኾይና ንሃገርና ዝረብሑ ካብ ከባቢያዊ ሓለዋ ስጋብ መጓዓዝያ መራኽብ ኣጣሚርና ብምፍራይ ማሕበን ከባቢያዊን ሓላፍነትን ሒዝና ኣብነት ቁጠባዊ ዓወት ክንከውን ኢና” ኢሎም።

በቲ ካብ 30 ሓምለ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ስጉምቲ እተን መዓልታዊ በቲ መትረብ ዝሓልፋ ቁፅሪ መራኻብ ናብ 32 ዘውረደ ኾይኑ እዚ ድማ ዓመታዊ ካብ 150 ስጋብ 200 ሚልዮን ዶላር ዝበፅሕ ክሳራ የስዕብ። ብልሙድ ካብ 36 ስጋብ 38 መራኽብ መዓልታዊ በቲ መትረብ ይሓልፋ ነይረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG