ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ንዝቐረበሉ ክስታት ይነጽግ፣ ጎስጓስ ምርጫ ይቕጽል


Election 2024 Death Penalty
Election 2024 Death Penalty

(ዋሽንግተን) ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንዝቐረበሉ ክስታት ነጺጉ ኣሎ። ኣብ ምርጫ 2020፡ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ብዘይቕባልን ንደገፍቱ ብምልዕዓልን ክሲ ዝቐረበሉ ትራምፕ፡ ኣብ እዋኑ ዝተዛረቦ ናጻ ናይ ምዝራብ መሰል ምዃኑ ኣብቲ ድሕሪ መጋብኣያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።

ነቲ ክሲ፡ “ፖለቲካዊ መንቀሊ ዘለዎን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ክፍጸም ዘይነበሮን” ክብል ነጺጉዎ።

ኣብ እዋኑ ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበረን ሕጂ’ውን ነብሱ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ኣንቢሩ ዘሎን ማይክ ፐንስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝምስክሩ ኰይኑ፡ ምስ ናይ ቅድም ሓሊፉኡ ኣይሰማምዕን።

“ኣመሪካውያን ክፈልጡዎ ዘድሊ ነጥቢ፡ ምርጫ ህዝቢ ክልውጥ ሓላፍነት ከም ዘይነበረኒ’ዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ልዕሊ ሃገራዊ ቅዋም ንዕኡ ክሰምዕ ሓሳብ ሂቡ። ኣነ ግን ንቕዋም’የ ተኣዚዘ፡” ይብል ፐንስ።

ደገፍቲ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎም እምነትን ድጋፍን ይገልጹ ኣለዉ።

ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ዝዀነ ትራምፕ፡ ኣብ ጎስስጓስ ወፍሪ መረጻ፡ ነቲ ዝቐበርሉ ዘሎ ተደጋጋሚ ክስታት ከም ቀንዲ ነጥብታትን ንምዕፋኑ ዝግበር ዘሎ ወፍሪን ገይሩ’ዩ ዝጕስጕስ ዘሎ። በዚ ናይ ትማሊ ሓሙስ ናይ ቤት ፍርዲ’ውን ውዕሎ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጎስጓሳት ናብ ረብሓኡ የውዕሎ ከም ዘሎ ክኢልታት ይዛረቡ። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኣላባማ ኣብ ዝግበር ናይ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ናይ ድራር እንግዶት ክሳተፍ መደብ ሒዙ ኣሎ። ጽባሕ ቀዳም’ውን ኣብ ደቡብ ካሮሊና ኣብ ዝግበር ዋዕላ መኽፈቲ ቃል ከስምዕ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG