ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ሓሊፉ


FILE PHOTO: An Ethiopian Orthodox pilgrim walks past the St.George Rock-Hewn church ahead of the Ethiopian Christmas Eve celebration in Lalibela
FILE PHOTO: An Ethiopian Orthodox pilgrim walks past the St.George Rock-Hewn church ahead of the Ethiopian Christmas Eve celebration in Lalibela

(ዋሽንግተን) ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ጎንጺ ንምግታእ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ፍሉይ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ የሕሊፉ። እዚ ኣዋጃ’ዚ ዝሓልፍ ዘሎ፡ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ቦታ ንዝርአ ጎንጺ ንምቍጽጻር ልዕሊ ዓቕመይ’ዩ ብምባል ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ምትእትታው ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽአ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ኣብቲ ክልል ዝርአ ኣዝዩ ኣሰካፊ ምንቅስቓሳትን ንጸጥታ ኣስጋኢ ኩነታትን ንምቍጽጻር ናይ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ከነሕልፍ ግድን ኰይኑ ኣሎ፡” ይብል። እቲ መግለጺ ንኽልል ኣምሓራ ጥራይ ድዩ ወይስ ኣብ ሰሜን ንዝርከባ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ብፍሉይ ኣየመልከተን። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለነል ጌትነት ኣዳነ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ግጭት ዕጡቕ ሚሊሻ ፋኖ’ዩ ክብል ጠቒሱ ነይሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያን ዜጋታቱ ናብቲ ብሚሊሻ ፋኖ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝርኣዮ ክልል ኣምሓራ ከይጓዓዙ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ የሕሊፉ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ስጳኛ’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ የሕሊፉ’ዩ።

ማዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሚሊሻ ፋኖ ምውዓሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ። ኣብ ከባቢ ላሊበላ፡ ሎሚ ዓርቢ’ውን ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ምንባሩ’ውን ንነበርቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ ኣሎ። ኣቐዲሙ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብቲ ከተማ ተመዲቡ ዝነበረ በረራታት ምስራዙ ይዝከር። ኣገልግሎት ኢንተርነት’ውን ብተመሳሳሊ ተጸልዩ ነይሩ’ዩ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነን፡ “ሰላም እንተ ዘይጌርና፡ ኵሉ ነገር ክንከስሮ ምዃንና ምዝኽኻር የድሊ፡” ኢሉ ነይሩ።

ዝርዝር ናይዚ ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ሓደጋ ህጹጽ እዋን ኣይተነጸረን። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ግን ምድራት ምንቅስቓስን መንግስቲ ናይ ምእሳር ሓላፍነቱ ምዕባይን ክኸውን ይኽእል።

XS
SM
MD
LG