ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ብኽሲ ምርጫ ኣብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክቐርብ እዩ


Former U.S. President Donald Trump faces federal charges related to attempts to overturn his 2020 election defeat, in Washington
Former U.S. President Donald Trump faces federal charges related to attempts to overturn his 2020 election defeat, in Washington

(ዋሽንግተን) ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ዘጋጠሞም ኪሳራ ንምግልባጥ ብዝገበርዎ ፈተነ ክሲ ቀሪቡሎም ሎሚ ሓሙስ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር። ነዚ ተባሂሉ ድማ ኣብ’ቲ ኸባቢ ፀጥታዊ ሓለዋ ተጠናኺሩ ኣሎ። ኣብ እዋን እቲ ከይዲ መስርሕ ፍርዲ ትራምፕ ካብ ኣሰር ኣፃብዕቲ (ዓሸራ) ምሃብ ስጋብ ካብ ገበን ነፃ ዝብሉ መስርሓት ሓዊሱ ክኽተሉ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ኣሜሪካውያን ንምትላል ውዲት ፈጢሮም፣ ከይዲ ፍትሒ ኣተዓናቒፎም፣ መረፅቲ ፍትሓዊ ምርጫ ናይ ምክያድ መሰሎም መንዚዖም ዝብሉ ብዝርከብዎም ብኣርባዕተ ገበናት ክሲ እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ።

ዓቀብቲ ሕጊ ኣብቲ ክሲ ከምዝበልዎ ትራምፕ ሓቂ ከምዘይኮነ እናፈለጡ ብተደጋጋሚ ኣብ’ቲ ምርጫ ምትላላት ክግበር፣ ንሰበስልጣናት ምርጫ ክፍለ ግዝኣታትን ናይ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን ንምንዋሕ ስልጣኖም ስጉምቲ ክወስዱ ፀቕጢ ከምዝገበረሎምን ገሊፆም። ኣባላት ኮንግረስ ንውፅኢት ምርጫ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ብ6 ጥሪ 2021ድማ ዕስለ ደገፍቲ ትራምፕ ንካፒቶል ወሪሮምዎ ክብሉ ከለዉ።

ትራምፕ ግን በደል ምፍፃሞም ኣይኣምኑን። ካብ ስልጣኖም ምስ ወረዱ’ውን ምርጫ 2020 ከምዝተጭበርበረ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ተሰሚዖም፣ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝካየዱ ምርመራታት ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ እዩ ክብሉ’ውን ነፂገሞ።

ኣብ 2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንፓርቲ ሪፓብሊካን መሪሕ ሕፁይ ኮይኖም’ውን ይቕፅሉ ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ክልተ ገበናዊ ክስታት ገበነኛ ኣይኮኑን ተባሂሎም እዮም።

ትራምፕ ኣብ ካልእ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ’ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምስጢራዊ ሰነዳት መንግስቲ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ብምዕቃብ ናብ ቤተ መዛግብቲ መንግስቲ ንኽምልሱ ንዝቐረበሎም ተደጋጋሚ ሕቶ ነፂጎም ብዝብልን ኣብ ጎስጓስ መረፃ 2016 ንሓንቲ ተዋሳኢት ፖርኖግራፊ መዕበሲ ኣፍ ብዝፈፀምዎ ክፍሊት ዝተኣሳሰረ ኣብ ኒውዮርክ ንዝፈጠርዎ ንግዲ ምጭብርባራት’ውን ተኸሲሶም ነይሮም።

ኣብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውዕሎኦም ትራምፕ ካብ ገበን ነፃ እየ ኢሎም ክከራኸሩ ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ ፍሉይ ኣማኻሪ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ጃክ ስሚዝ ድማ ድማ ብቅልጡፍ ናብ ፍርዲ ክእቶ ድልየት ቤት ፅሕፈቶም ሙዃኑ ይገልፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG