(ዋሽንግተን) ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንዘዳለዉዎ ፈስቲቫል ስቶኮልም ሽወደን ንምቅዋም ናብ ስቶኮሎም ዝወሓዙ ኣሽሓት መንእሰያት ነቲ ዳስ ኣፍሪሶም መካይን ከም ዘቃጸሉ ንመራኸቢታት ሽወደን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ። በቲ ዝተጥረ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ኣስታት 52 ሰባት ምቝሳሎም እቲ ዜና ይጠቅስ። እቲ ቍጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ግን ይግመት።
ምስቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ካብቶም ተቓወምቲ ወገናት ከም ዝተኣስሩ፡ ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ይሕብር።
ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሃገሩ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ዘቤታዊ ፖለቲካ ክትጽመድ “ቅቡል ኣይኰነን” ክብል ኣብ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣውጺኡ። “ካብ ጎንጺ ሃዲምኩም ኣብ ሽወደን ዝተዓቘብኩም፡ ወይ ድማ ንምብጻሕ ዝመጻእኩም፡ ኣብዛ ሃገር ናዕቢ ከተልዕሉ ኣይነፍቅድን፡” ኢሉ ሚኒስተር ጋነር ስትሮመር። እቲ ሚኒስተር ፍትሒ ወሲኹ፡ “ፖሊስ ኪንዮ ንኽልተ ወገናት ክፈሊ ኣብ ካልእ ዓበይቲ ጉዳያት ከተኵር’ዩ ስራሑ፡” ኢሉ።
ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕሓዝ ዘለዎ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ሽወደን ካብ 1990ታት ክካይደ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ጎንጺ ኣብ ግምት ብምእታው ትሽዓተ ኣውቶቡሳት ዝኣኽሉ ኣባላት ፖሊስ ተዋፊሮም ውዒሎም። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ሓደ ውጽእ ዝበለ ስፍራ ዝካየድ ዝነበረ፡ ሎሚ ዝጀመረ ፈስቲቫል፡ እቶም ተቓወምቱ ቀስ ኢሎም ናብቲ ቀጽሪ ብምእታውን ንሓይሊ ፖሊስ ብምፍንጻግን ክብትኑዎን ነቲ ቴንዳታት ከፍሩዎን ከም ዝኸኣሉ እቲ ዜና ይጠቅስ። ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ኣካላት ናይ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ናይ ተቓውሞ ፍቓድ ኣውጺኦም ምንባሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ሎሚ ዝጀመረ ፈስቲቫል ክሳብ ሰንበት’ዩ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታ ካብቲ ቦታ ፈስቲቫል ይዝርጋሕ ዝነበረ ምስልታት ከም ዘርእዮ፡ ኣብቲ ቦታ ፈስቲቫል ዝነበረ መካይን ክቃጸላ ተራእየን። እተን ዝቃጸላ ዝነበረ መካይን ናይቶም ከየድቲ ፈስቲቫል ምዃነን’የን።