ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ገለ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣቋሪጹ፣ በረራታት ተሰሪዙ” ሮይተርስ


FILE PHOTO: Wounds of war evident at Ethiopia's Lalibela, a U.N. World Heritage Site
FILE PHOTO: Wounds of war evident at Ethiopia's Lalibela, a U.N. World Heritage Site

(ዋሽንግተን) ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ፡ ብስሩዕ ኣገባብ ሕጊ ምኽባር ኣብ ዘይካኣለሉ ብርኪ ስለዝበጽሐ፡ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዘበለ ሕጋዊ ተግባር ንኽወስድ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሓቲቱ።

እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ‘ኣብ’ቲ ክልል ዝተኸሰተ ጸገም ጸጥታ፣ ከቢድ ሰብኣዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ኪሳራ ኣብ ምውራድ ከም ዝርከብ’ውን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ናይ ክልል ኣምሓራ ዕጡቕ ጕጅለ ፋኖን ብዝካየድ ዘሎ ምትፍናንን ጎንጺን፡ ኣብ ገለ ወገናት ቦታታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቛሪጹ ምውዓሉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ርእሰ-ከተማ እቲ ክልል ዝዀነት ባህርዳርን ገለ ወገናት ጎንደርን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘቋረጾ ስፍራታት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ሮስተርስ ካብ ወሃብ-ቃል ክልል ኣምሓራ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ናብ ጎንደርን ላሊበላን ዝነበረ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተዘረዘ ወሃብ-ቃል እቲ መገዲ ኣየር ንሮስይተርስ ሓቢሩ። ዝርዝር ምኽንያትን ገደብ ግዜን ግን ኣይሃበን።

እቲ ጎንጺ፡ ሰራዊት ፈደራል ንዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ከርሑቑዎም ድሕሪ ምጅማሮም ምኽሳቱ ሮይተርስ ኣስፊሩ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒተር ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነን እቲ ተርእዮ “ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ” ብምባል እቲ ምትፍናን ብልዝብ ክፍታሕ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ጎንጺ ኣብ በበይኑ ከተማታት ንሰሙን ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ሓሙስ’ውን ኣብ ከባቢታት ጎንደር ቀጺሉ ምውዓሉ፡ ንኣማሓደርቲ ከባቢ ብምጥቃስ ሮስተርስ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG