ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓለማዊ ቅድድም ብሽክለታ ስኮትላንድ ኣይክሳተፍን’ዩ


Biniam Girmay
Biniam Girmay

(ዋሽንግተን) ተሳትፎ ቢንያም ግርማይን ካልኦት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታን ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከዛራርብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ቢንያም ግን ብምኽንያት መጕዳእቲ ካብቲ ውድድር ከም ዝሰሓበ ጋንታኡ ኢንተርማሸ ኣፍሊጣ።

ወዲ-23 ቢንያም ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ንኣፍሪቃ ወኪሉ ዓወት ከመዝግብ ይኽእል’ዩ ዝብል ሰፋሕቲ ግምታት ምጽናሑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ድሕሪ ምስታፉ፡ ኣብቲ ክላሲክ ውድድር ሳን ሳብሳቲያን መውደቕቲ ዘጓነፎ ቢንያም፡ ካብዚ ውድድር ምእላዩ ሕማቕ ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ። ቢንያም ኣብ መግለጺኡ፡ ድሕሪ ውድድር ዙር ፈረንሳይ እዚ ሻምፕዮን ቅድድም ዓለም ዝዓበየ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ምጽናሑ ብምግላጽ፡ ሕጂ ካብቲ ውድድር ብምእላዩ ኣሕዛኒ ክስተት ምዃኑ ጠቒሱ።

ቢንያም ብምኽንያት መጕዳእቲ ደኣ ካብዚ ውድድር ይስሓብ እምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝውክሉ ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄርን ግን ብምክንያት ቪሳ ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ዘይምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣሶሽትድ ፕረስ ምኽንያት መኸልከሊ ቪሳ ናይቶም ዝተረፉ ተቐዳደምቲ ኣይጠቐሰን። እቲ ማዕከን ዜና ግን መርሃዊ ቅዱስ “ዘሕዘን ተርእዮ” ኢሉ ትዊት ዝገበሮ ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG