ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱሎም


Supporters of Trump gather after indictment by Manhattan grand jury, in Palm Beach, Florida
Supporters of Trump gather after indictment by Manhattan grand jury, in Palm Beach, Florida

(ዋሽንግተን) ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ነበር ዶላንድ ትራምፕ ንምርጫ 2020 ክልውጡ ፈቲኖም ብምባል ትማሊ ሰሉስ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱሎም። ፍሉይ ኣማኻሪ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ጃክ ስሚዝ ከምዝበልዎ ''እቲ 6 ጥሪ 2020 ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መንበር ዴሞክራሲ ኣመሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥን ንመስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ዝጠሓሰን እዩ። እቲ በቶም ፕሬዝዳንት ነበር ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ወረ ነቲ ደገፍቶም ናብ ካፒቶል ዝመርሖም ናዕቢ ዘጉሃሃረ ነዳዲ ነይሩ፡" ኢሎም።

መልሲ ናይ'ዚ ብወገን ትራምፕ ዝወፀ መግለፂ ድማ "ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ብቕዓት ብዘለዎም ጠበቃታቶም ተሓጊዞም ሕግን ሕገመንግስትን እዛ ሃገር ክኽተሉ ዝፀንሑ እዮም፡” ይብል።

ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ ፈለማዮም ዝኾነ ክሲ ሓሙስ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክርቡ እዩ ትፅቢት ዝግበር።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ ክሲ ክቐርበሎም።

ቅድም ክብል ጃክ ስሚዝ፡ ትራምፕ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ፍሎሪዳ ማር ኦ ላጎ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ናብ ሃገራዊ መዛግብቲ ክምለሱ ዝግበኦምኣዝዩም ምስጢራዊ ሰነዳት ደሕንነት ሃገር ኣብ ገዛኦም ሒዞም ክብሉ ምኽሳሶም ዝዝከር እዩ። ከይዲ ፍርዲ እዚ ጉዳይ ንዝመፅእ ግንቦት ተቖፂሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG