ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ 5.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ


Eritrea Earthquake
Eritrea Earthquake

(ኣሰመራ)- ካብ ሰሉስ ሓደ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ኤርትራ ካብ 4.4 ክሳብ 5.6 ሬክተር ዓቐን ዝበጽሑ ተኸታተልቲ ምንቅጥቃታት ምድሪ ከም እተኸስቱ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ካብዞም ምንቅጥቃጣት፡ እቲ ትማሊ ሰሉስ ባሕቲ ነሓሰ ሰዓት 8፡13 ምሸት ዘጋጠመ 5.6 ሬክተር ዝተዓቀነ 11.6 ኪ/ሜ ንሸንኽ ምዕራብ ካብ ፎሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ 10 ኪ/ሜ ዕምቆት ዘጋጠመ እቲ ዝበርትዐ ከም ዝኾነ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ዕለት ሰዓት 10፡37 ለይቲ ከምኡ’ውን ሎሚ 2 ነሓሰ ካብ 6፡36 ወጋሕቲ ክሳብ ሰዓት 8፡13 ንግሆ ክሳብ 4.7 ሬክተር ዝተዓቐኑ ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጣት ምድሪ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ዕምቆትን ከም እተሰነዱ ሓቢሩ።

በቲ ትማሊ ምሸት ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ኣስመራ ብዝሰዓበ ንኣስታት 2 ካልኢታት ዝተሰምዐ ነዝነዝታ፡ ቤትሮታት ተንቀሳቒሶም ፈኮስቲ ነገራት ከኣ ካብ ከብሕታት ወዲቖም’ዮም።

በቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ን/ዞባ ሰንዓፈ፡ ካሪቦሳ ዘተባህለ ቦታ ሓሙሽተ ኣባይቲ ከም ዝፈረሰ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ግን ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ትማሊን ሎሚን ዘጋጠሙ ምንቅጥቃጣት ምድሪ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ ባርካን ከም እተሰምዐ ሚኒ/ጸዓትን ማዕድንን ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ወርሒ 2 ሓምለ 2023፡ 4.2 ሬክተር ዝተዓቀነ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ተመሳሳሊ ስነ-ቅርጻዊ ስርዓተ-ምድሪ ዝተደኮኑ ቦታታት ኤርትራ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ፡ሚኒ/ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ዓዲ ግራት፡ መቐለን ኣኽሱምን ብትሑት መጠን ከም እተሰምዐ ስነ-ምድሪ መጽናዕቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG