ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊኒክስ ኣሪዞና መጠናዊ ዛሕሊ ይርኣያ


APTOPIX Arizona Heat Weather
APTOPIX Arizona Heat Weather

(ዋሽንግተን) አብ ፊኒክስ ብተኸታታሊ ንልዕሊ 110 ዲግሪ ፋራናይት( 43.3 ዲግሪ ሴንትግሬድ) ኮይኑ ንሓደ ወርሒ ዝለዓለ ክብረወሰን ሒዙ ዝፀንሐ ሓደገኛ ዋዒ ትማሊ ሰኑይ ብዝሃረመ ሓያል ዝናብ መጠኑ ክወርድ ምጅማሩ ተፈሊጡ። ካብ ወርሒ ሰነ ዝጀመረ እዚ ታሪኻዊ ዋዒ ካብ ቴክሳስ፡ ኒው ሜክሲኮ፡ ኣሪዞናን ክሳብ በረኻታት ካሊፎርኒያ ዝዝርጋሕ'ዩ ነይሩ።

ፊኒክስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ዝርከባ ንእሽቱ ከተማታት ዝያዳ ካልኦት በቲ ዋዒ ዝተጠቕዓን ንተኸታታሊ 31 መዓልታት ድማ 43.3 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝመጠኑ ዋዒ ኣመዝጊበን። ታሪኽ ከምዝሕብሮ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣብ 1974 ዝተመዝገበ ኮይኑ ን18 መዓልታት ጥራሕ ዝፀንሐ ምንባሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ መጠን እቲ ዋዒ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ 3፡10 ብዝሃረመ ዝናብ ናብ 42.2 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክወርድ ክኢሎ ኣሎ።

ሰብ ሞያ ሕክምና ቆርበት ልዑል መጠን ዋዒ ኣሪዞና ንነበርቲ ካብ ዘስዕቦ ሓደገኛ ሕማም ቆርበ ሓደ ኮይኑ ብፍላይ “ታሪኽ ካንሰር ቆርበት ንዘለዎም ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ከባቢ” ምዃኑ ይገልፁ። ሰባት ብዘይ ምቁራፅ ቅብኣት መከላኸሊ ዋዒ ፀሓይ (sunscreen) ክጥቀሙ ድማ ይምዕዱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG