ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኒጀር፤ ሃገራት ዜጋታተን የውጽኣ፡ ኤኮዋስ ንዘላቒ መፍትሒ ይዝቲ


Citizens evacuated from Niger at the Diori Hamani International Airport in Niamey
Citizens evacuated from Niger at the Diori Hamani International Airport in Niamey

(ዋሽንግተን) ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ቍጠባዊ ማሕበረኮም ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ኣብ ጉዳይ ዕልዋ ኒጀር መፍትሒ ንምርካብ ሎሚ ኣብ ኣቡጃ ናይጀሪያ ይዝትዩ ኣለዉ።

እቲ ሕብረት ኣብቲ ክሳብ ዓርቢ ንኽዝቲ ሒዙዎ ዘሎ መደብ፡ ኣብታ ምዕራባዊት ሃገር ኒጀር “ዘላቒ ፖለቲካዊ ፍታሕ” ንምምጻእ ክጽዕር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ’ሞ ሕጂ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ባዙም ትማሊ ብስልኪ ተዘራሪቡ ኣሎ። ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦታኡ ክምለስን ፕረዚደንት ባዙም ድማ ካብ ማእሰርቲ ክልቀቕን ይጠልባ።

ብተመሳሳሊ ወታሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ማሊን በርኪኖሶን፡ “ዝዀነ ኣንጻር ኒጀር ዝግበር ወታሃደራዊ ምትእትታው ምስኣተን ኲናት ምእዋጅ” ከም ዝሓበኦ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺአን ጠቒሰን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ በበይነን ሃገራት ምዕራብ ካብ ኒጀር ዜጋታተን ንምውጻእ ኣብ ምጕያይ ኣለዋ። ፈረንሳይ ትማሊ ኣብ ዝገበረቶ ክልተ እብረ በረራ፡ ዜጋታት ፈረንሳይ፡ ፖርቱጋል፡ በልጂም፡ ሊባኖስ፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ካናዳ፡ ህንዲ፡ ኣመሪካን ኣውስትራሊያን ዝርከቡዎም 350 ዜጋታት ኣውጺኣ ኣላ።

ኣብዚ ዜጋታት ናይ ምውጽእ መስርሕ፡ መንግስታት ኢጣልያ፡ ስጳኛ ኣመሪካን ኣውስትራሊያን ቡልጋሪያንው’ውን ስዒበን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG