ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባንክ ዓለም ምስ ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ይራኸቡ


World Bank President Ajay Banga visits the Bole Lemi Industrial Park during his official visit to Addis Ababa
World Bank President Ajay Banga visits the Bole Lemi Industrial Park during his official visit to Addis Ababa

(ኣዲስ ኣበባ) ትማሊ 24 ሓምለ ንወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብምዃን ሎሚ ንጉሆ ኣብ ቦሌ ለሚ ቁፅሪ 2 ኢንዳስትሪ ፓርክ ዑደት ኣካይዶም።

መገሻኦም ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዙ ዕድላት ንምልላይ ዝዓለም ምዃኑ ቤት ፅሕፈቶም ገሊፁ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ርክብ ኢትዮጵያ ባንኪ ዓለምን ሓርፊፉ ዝፀንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ግን ርክብ ክልቲኦም ወገናት እናተመሓየሸ ይኸይድ ከምዘሎን እቲ ባንኪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ገንዘባዊ ሓገዝን ልቃሕን ድሕሪ ምፍራሞሙ ሒደት መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዑደት እዩ።

ባንኪ ዓለም ዝዓበየ መሻርኽቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝገለፁ ሚኒስትር ፋይናንስ ኣሕመድ ሽዴ፡ ዑደት እቶም ፕረዚደንት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ሽርክነት ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

እቲ ፓርክ ዝፈጠሮ ናይ ስራሕ ዕድላትን ምስግጋር ፍልጠትን ዘመስገኑ ባንጋና ብወገኖም እቲ ባንኪ ንህንፀት መገዲ ኤክስፕረስ ኢትዮ-ጅቡቲ ፋይናንሳዊ ደገፍ ክገብር ከም ዝተሰማምዐ ሓቢሮም። ይኹን'ምበር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ምስቲ ባንኪ እትገብሮ ዘላ ድርድር ኣመልኪቶም ርእይቶ ካብ ምሃብ ግን ተቖጢቦም'ዮም።

ንዑደት ፕሬዝዳንት ባንኪ ዓለም ኣመልኪቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ገፃት ከምዝበልዎ ኢትዮጵያ ነታ ሎሚ ዑደት ዝተገብረሉ ሓዊሱ 13 ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሃኒፃ ናብ ስራሕ ከምዘእተወት ብምጥቃስ "ንኹሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ከውፍሩ ንዝደልዩ ምችው ሃዋህው ዝፈጥር እዩ፡" ኢሎም።

ባንጋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ኣብ መንጎ ባንኪ ዓለምን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘሎ ሽርክነትን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት እውን ክዘራረቡ ሙኻኖም ፀብፃብ ወኪልና ኬኔዲ ኣባተ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG