ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኢትዮጵያ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ትእምት ዝተነበረ እገዳ ኣልዒሉ። ሓላፊ ኣገልግሎት ሕጊ ሱር ኮንስትራክሽን ኣቶ ወርቀልኡል ጊደይ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ምስ ግብረ-ራዕዲ ምትእስሳር ኣለወን ተባሂለን እገዳ ተገይሩለን ዝጸንሓ 21 ኩባንያታት ትእምት፡ ምስ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ምስራዝ መዝገብ ግብረ-ራዕዲን እቲ ውሳነ ክሓልፍ ከም ዝኸኣለ ኣመልኪቶም። ናይተን ኩባንያታት ንብረት ምስ ተኣገደ፡ ነተን ኩባንያታት ዘመሓድር፡ ሸውዓተ ኣባላት ዝርከቡዎ ቦርድ ብዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ተሸይሙ ከምዝነበረ ዘመልከቱ ኣቶ ወርቀልኡል፡ ኮይኑ ግን እቲ ቦርድ ሓላፍነቱ ብግቡእ ኣይፈፀመን ተባሂሉ፣ ኣብ ሓፂር እዋን ክለዓል ከምተገበረን፣ ብድሕሪኡ ድማ ምሕደራ እተን ኩባንያታት ኮመሪሻል ኖሚኒስ ንዝተብሃለ ናይ ውልቀ ትካል ከም ዝተውሃበን ተዛሪቦም።
እቲ ኣብ ልዕሊ እተን ኩባንያታት ዝተነበረ እገዳ ምኽንያቱ ምስ ግብረ ራዕዲ ዝተኣሳሰር ብምንባሩ፣ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ፣ ሱር ኮንስትራክሽንን ኣመራርሓ ትእምትን እቲ እገዳ ክለዓል ንሚኒስቴር ፍትሒ ብምሕታቶም፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል እቲ እገዳ ክለዓል 21 ሓምለ 2015 ውሳነ ከምዝሃበ ኣፍሊጦም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ስልጣን ምሕደራ ኮሜርሻል ኖሚኒስ እውን ሓቢሩ ክሰዓር ከም ዝገበረን እቲ ውሳነ ድማ ተፈፃሚ ንክኾን ትማሊ ትእዛዝ ከምዝሃበን እቶም ሓላፊ ወሲኾም ሓቢሮም ይብል ፀብጻብ ወኪልና ገ/ሚካኤል ገ/መድህን ካብ ኣዲስ ኣበባ።