(ዋሽንግተን) ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፖኪስታን፡ ሎሚ ሰሉስ ክታበት ጸረ-ፖሊዮ ይወሃበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም ክልተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም።
እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ኣባላት ፖሊስ ንውሕስነት ጸጥታ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ክታበት ዝተዋፈሩ’ዮም። ዛጊት ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣካል የሎን። እቶም ክታበት ዝህቡ ዝነበረ ሰራሕተኛታት ጥዕና ግን ብሰላም ምህዳሞም ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ወገን ፓኪስታን ገና ብሕማም ፖሊዮ ገና ዘይተናገፈ ክኸውን እንከሎ፡ ንክታበት ዝቃወሙ ኣኽረርቲ ኣመንቲ እስልምና መጥቃዕቲ ክገብሩ ዝውቱር ምዃኑ ካብቲ ቦታ ዝለኣኸ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይጠቅስ።
ኣብቲ ሕብረተሰብ ክታበት ጸረ-ፖሊዮ የምክን’ዩ ዝብል ርድኢት ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 20 ሕማማት ፖሊዮ ዝተመዝገባ ፖኪስታን፡ ሎሚ ዓመት እቲ መጠን ኣዝዩ ከም ዝነከየ ይሕበር።
ቅጥዒ