(ዋሽንግተን)--ሰበ-ስልጣን ኬንያ፡ ንጭራ ዓዋሉ ሀይቲ ኣብ ምምካት እጃሞም ከበርክቱ ድልውነት ምርግጋጾም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ መጒሱ። እታ ብስእነት ጸጥታ እትሕመስ ዘላ ሀይቲ፡ ነቶም ንሓያሎ ክፋል እታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ጭፍራ ዓዋሉ ንምምካት፡ ሃገራት ሓይሊ ፖሊስ ክልእካ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ድማ ንጻውዒት እታ ሃገር ኣብ ምትግባር በበይኑ ፈተነታት ክገብር ጸኒሑ’ዩ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ እምበኣር ነዚ ጻውዒት ሰሚዑ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሀይቲ ክልእኽ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እዞም ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ንፖሊስ ሀይቲ ኣብ ምስልጣን ክሕግዙን ኣብ ውሕስነት ጸጥታ ምስፋን ድማ እጃሞም ከበርክቱን ትጽቢት ይግበር።
ቅጥዒ