ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2023 ጀሚሩ፡ ኣማኑኤል ገ/ሄር ብዓወት ፈሊሙ


Asmara Cycling Championships
Asmara Cycling Championships

(ኣስመራ) ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2023 ሎሚ 23 ሰነ ኣብ ማይ ድምነት ከባቢ ቤት ገርጊሽ ብዝተኻየደ ናይ ክሮኖ ሜተር ውድድር ጀሚሩ። ኣብዚ ፈላሚ ውድድር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ትረክ ሰጋፍረዶብ ኣማኑአል ገብረዝጋብሄር ዝቐልጠፈ ተወዳዳራይ ብምዃን ቻምፕዮን ኮይኑ። ኣማኑኤል ንዝተሰርዐ ናይ 36 ኪ/ሜ ርሕቀት ኣብ ሰዓት 50.1 ኪ/ሜ እናተሓንበበ ንውድድሩ ብ43’04’’10 ብምዝዛም 1ይ ኰይኑ ተዓዊቱ። መርሃዊ ቅዱስ ብ01’11’’32 ድሒሩ 2ይ፡ ኣኽሊሉ ኣራፋይነ ከኣ 01’39’’54 ድሒሩ 3ይ ኮይኖም ውድድሮም ፈጺሞም።

ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቀት ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣኽሊሉ ኣራፋይነ ቻምፕዮን ኮይኑ። ጴጥሮስ መንግስን ሄብሮም ብርሃነን ከኣ 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዝዚሞም።

ኣብቲ 18 ኪ/ሜ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ከኣ ኣድያም ዳዊት ንውድድራ ብ25’47’’ ብምዝዛም ኣብ ክልቲኡ ቻምፕዮን ኮይና ድርብ ዓወት ኣመዝጊባ። ብርኽቲ ፍስሃየን ሞናሊዛ ኣርኣያን ከኣ 2ይን 3ይን ኮይነ ተዓዊተን።

ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 18 ኪ/ሜ ውድድር ሳሙኤል ሓየሎም፡ ሮበል ዳዊትን ኤስሮም ተስፋይን ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 15 ኪ/ሜ ውድድር ሚዛን ሃብተስላሰ፡ ራሄል ዘርእሰናይን ኣድያም ኢሳቕን ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ኮይነ ተዓዊተን።

ሰንበት 25 ሰነ ከኣ 173.4 ኪ/ሜ ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ እዩ።

XS
SM
MD
LG