ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ራያ-ኣላማጣ ሕቶ መንነት የልዕሉ፣ ክልል ትግራይ ይነፅግ


(ደሴ)ናይ ራያ ኣላማጣን ከባቢኡን ዓመታዊ በጀት ይኹን ድጎማ ብክልል ትግራይ ከይከውን 145 ሽሕ ፊርማ ኣኪበ ክብል ንፌደረሽን ቤት ምኽሪ ምቕራቡ ናይ ወሎ ራይ መንነትን ወሰንን ኣምላሲ ኮሚቴ ገሊፁ።

ናይቲ ኮሚቴ ሓላፊ ዘፈር ውዳበ ምዃኑ ዝገለፀ ሞገስ ሃይሉ ዝተኣከበ ናይ መንነት ሕቶ ይመለስ፣ ባጀት ብክልል ትግራይ ከይኮነስ ብቐጥታ ይመደብ ዝብል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን እቲ ሕቶ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ክብል ነቒፉዎ። ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም እቲ ሕቶ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደራሽን ቅድሚ ምብፅሑ ናብ ክልል ትግራይ ክቐርብ ነይሩዎ ኢሎም።

ንርእሱ ናይ ወሎ ራያ ኣምሓራ መንነትን ወሰንን ኣምላሲ ኮሚቴ ኢሉ ዝፅውዕ ኣካል ግን እቲ ሕቶ ኣብ 2011 ዓ\ም ንክልል ትግራይ ምቕራቡን ምላሽ ዘይምርካቡን ይክረኸር።:

XS
SM
MD
LG