ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፑቲንን ተራኺቦም፣ ዘትዮም


Eritrea's President Isaias Afwerki and Vladmir Putin Twitter @hawelti
Eritrea's President Isaias Afwerki and Vladmir Putin Twitter @hawelti

(ዋሽንግተን) ኣብ ሩስያ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ንምፍጻም ትማሊ ሰሉስ ናብ ሞስኮ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ዘተኰረ ሰፊሕ ዝርርብ ኣካዪዶም ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ናብ ሩስያ፡ ብወግዓዊ ደረጃ ንፈለማኡ ይበጽሕ ከም ዘሎ ዘመልከተ ፕረዚደትን ኢሳይያስ፡ መዘናኡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ብምኽንያት መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራን መበል 30 ዓመታት ዝምድና ክልተ ሃገራት ንዝተራእየ ገስጋስ ከም ዝነኣደ ኣቶ የማነ ኣመልኪቱ።

ክልተ መራሕቲ ብኣካል ንፈለማ ግዜኦም ይራኸቡ ምህላዎም ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊን ዓለማዊን ኣጀንዳ ዘተኰረ ዝርርብ ምግባሮም ኣስፊሩ።

ኣብቲ ሩስያ ንወርሒ ሓምለ መዲባቶ ዘላ ካልኣይ ርክብ ኣፍሪቃ-ሩስያ፡ ንኽሳተፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ዕድመ ከም ዝቐረበሉ መልእኽቲ ሚኒስተር ዜና ይጠቅስ።

ዝምድና ኤርትራን ሩስያን፡ ብሕልፊ ኣብ ቀረባ ግዜ እናሓየለ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝጥቀስ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ንኤርትራ ምብጻሑ ይዝከር። ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022፡ ሓንቲ ካብተን ንወራር ሩስያ ዝዅንን ውሳነ ንምሕላፉ ዝተቓወማ ሓሙሽተ ሃገራት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት’ያ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ልኡኽ ሩስያ በጺሑ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG