ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ሪ ወጻኢ ጉዳያት "ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን"


Amb. Meles Alem
Amb. Meles Alem

(ኣዲስ-ኣበባ) ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ አብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ መገሻ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ኣፈላላያት ንምጽባብ ዝዓለመ’ ከም ዝኾነ ወሃብ ቃል ሚኒስቴር ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር መለስ ኣለም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ናይ ሓደ ሰሙን መገሻ ዝፍጽሙ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መቐለ ድማ ምስ መራሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክዘራረቡ እዮም። ኣጀንዳ’ቶም ፍሉይ ልዑኽ ‘ናይ ሽግግር ፍትሒ፡ ተሓታታይነት፡ ምፍታሕ ዕጥቂን ፕሮግራም ዳግም ምጥያሽን ካልኦትን’ ዝብሉ ክኾኑ ምዃኖም እቶም ውሃብ-ቃል ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ተጀሚሩ ዝነበረ ልዝብ ሰላም ሎሚ’ውን ተቋሪጹ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ወጻኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ልዝብ ሰላም ይኹን ቆጸራ ንልዝብ ሰላም ከምዘየለ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ሎሚ’ውን ውግእ ይቅጽል ከምዘሎን ብሰንኪ’ቲ ውግእ 859 ሽሕ ሰባት ጸገም ጸጥታ ከምዘለዎም፣ ማሕበራዊን ሰብኣዊን ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘየለውን’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብኻልእ ዜና፡ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ውግእ፡ ዛጊድ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት መብዛሕተኦም ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ኣምባሳድር መለስ ኣለም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG