ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ካብ ከማሺ ናብ ምዕራብ ወለጋ ዝወስድ መስመር መጓዓዝያ ንሰለስተ ወርሒ ተዓጽዩ” ነበርቲ


Federal Map Ethiopia
Federal Map Ethiopia

(ዋሽንግተን) ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ስእነት ጸጥታ፡ ካብ ዞባ ከማሺ ናይ ክልል በንሻንጉል ጉመዝ ናብ ጎረቤት ምዕራብ ወለጋ ዝወስድ መጓዓዝያ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ምቍራጹ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ብሰንኪ’ቲ ምቍራጽ ኣገልግሎት ኣብ ህይወቶም ከቢድ ጸገም ምውራዱ ወሲኾም ገሊጾም። ወሃብ-ቃል ምምሕዳር ከማሺ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምዝርራብ ይካየድ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ኣማሓዳሪ ምዕራብ ወለጋ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዘቋረጸ ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፉ ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዝገብሩዎ መጥቃዕታት ኰይኑ፡ ተወሰኽቲ ወታሃደራት መንግስቲ ኣብቲ ቦታ ንምቕማጥ መደብ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እንተዀነ እቶም ሰብ-መዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ጎንጺ ከም ዘይነበረ ሓቢሮም።

ወሃብ-ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ፡ ሰራዊቶም ነቲ ከባቢ ከም ዘይዓጸዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ስርቂን ካልእ ከምኡ ዝመስል ተግባራትን ከም ዘይኣቱ’ውን ንድምጺ ኣመሪካ መሊሱ።

XS
SM
MD
LG