ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

58 ኣብ ናይጀሪያ ተጨውዮም ዝጸንሑ ዜጋታት ይልቀቑ


ሰብ-መዚ ጸጥታ ናይጀሪያ፡ ብዕጡቓት ተጨውዮም ኣብ በረኻታት ተታሒዞም ዝጸንሑ 58 ዜጋታት ሓራ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ኮጂ ኣብ ዝተባህለት፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ኣቡጃ እትርከብ ክፍለ-ሃገር ኣብ ዝተግበረ ስርሒት፡ ኣብ መንጎ ጨወቲን ኣባላት ጸጥታን ብዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ እቶም መግረፍቲ ዘጓነፎም ጭዉያት ዜጋታት ክልቀቑ እንከለዉ፡ እቶም ዕጡቓት ግን ናብቲ በረኻታት ምህዳሞም ተፈሊጡ።

ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ብዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ሓደ ካብቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ዜጋታት ምቕታሉ፡ ንኮሚሽነር ፖሊስ ኣቡጃ ብምጥቃስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።

ኣብ ናይጀሪያ፡ ብዕጡቓት ወገናት ዝግበር መጨወይቲ ኣዝዩ ዝውቱር ኰይኑ፡ ንኣቡጃ ዘዳውብ ማእከላይ ስፍራ ግን መጠናዊ ርግኣት ዝጸንሖ ከባቢ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተዀነ ሕጂ ኣሰር’ተን ካልኦት ከተማታትን ኣውራጃታትን ምስዓባ፡ ነበርቲ ድማ ኣብ ኣገባብ ምክልኻል ጭውያ ሜላ ክቕይር ይጽውዑ።

ን29 ግንቦት ቃለ-ማሕላ ክፍጽም ዝቀራረበ ዘሎ ምሩጽ-ፕረዚደንት ቦላ ቲኒቡ፡ ገና ስልጣን ከይተረከበ’ውን ዝጽበዮ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት ሓደ ምርግጋእ ጸጥታ ናይጀርያ’ዩ።

XS
SM
MD
LG