ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት፡ ጎረባብቲ ሱዳን ዶባተን ክኸፍታ ይጽውዕ


ላዕዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንዓሰርተታት ኣሽሓት የፈናቕል ብምህላዉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበርን ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ንተመዛበልቲ ንምቕባል ማዕጾአን ከርሕዋን ጸዊዑ።

ኣስታት 3.7 ሚልዮን ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ከም ዘለዋ ዝንገር ሱዳን፡ በዚ ሓድሽ ኲናት ድሮ ኣስታት 20-ሽሕ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ተሰዲዶም ከም ዘለዉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። መብዛሕትኦም እዞም ሓደስቲ ስደተኛታት ካብ ዳርፉር ምዃኖም’ዮም።

ካልኦት ቍጽሮም ዘይተነጸረ ካብ ግብጺ ሰጊሮም ከም ዘለዉ ዘመልከተ ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ደቡብ-ሱዳን’ውን ናብቲ ውሑስ ዘይኰነ ዓዶም ምምራሖም’ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ግራንዲ ኣብ መግለጺኡ፡ ምስ ሱዳን ዝዳወባ ጎረባብቲ ሃገራት ዶባተን ከፊተን ስደተኛታት ከዕቍባን ውሕስነት ክህባን ጸዊዑ።

እቲ ውድብ ወሲኹ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዘለዉ ተመዛበልቲ’ውን ለገስቲ ኣካላት ሓገዞም ክልእኩ ተማሕጺኑ።

XS
SM
MD
LG