ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ዝተኣስረሉ ስፍራ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ንሃለዋት እቲ ፕረዚደንት ነበር ሕቶ የልዕል


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ መራሒ እታ ሃገር ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ተታሒዙሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ሃለዋት እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣሎ።

ብኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ውሑስ ቦታ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደጋፍ ግን ብዕላማ ካብቲ ማእሰርቲ ምውሳዱን ጸኒሕካ ድማ ናብ ስልጣን ንምምላሱ መደብ ከም ዘሎን ይኸስስ።

ኣል-በሽር ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣበይ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ወይ'ውን ናጻ ተፈንዩ እንተዀይኑ ብሳልሳይ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

ኣሕመድ ሃሩን ዝተባህለ ኣብ ግዜ ኣል-በሽር ኣባል ጸጥታ ዝነበረ መኮነን፡ ንሱን ዑመር ኣል-በሽርን ካብቲ ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ከም ዝወጽኡ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ሃሩን ብተመሳሳሊ ከም ኣል-በሽር ብገበናት ዘርኢ ምጽናት ዝኽሰስ’ዩ። ከም መግለጺ እቲ በዓል ስልጣን ነበር፡ በቲ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ እሱራት፡ ብሰንበት ናጻ ክወጽኡ ተፈንዮም። ከም ሓበሬታ ሃሩን፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ መሰረታዊ ቀረባት ስለ ዘይነበሮ፡ ዝተገደሰሎም ኣካል’ውን ኣይነበረን።

ስሙ ክጥቀስ ዘይመረጸ ካልእ ምንጪ ድማ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ፡ ኣል-በሽር ዝርከቦም ላዕለዎት እሱራት ናብ ወታሃደራዊ ሆስፖታል ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ። ምንጭታት እቲ ሆስፖታል ንኣገልግሎት ዜና ሮይስተርስ ከም ዝሓበሩዎ፡ እቶም ኣል-በሽርን እቶም ወታሃደራውያን መኮነንናት ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዞም’ዮም ኣብኡ ክሕከሙ ጸኒሖም።

ኣሕመድ ሃሩን፡ ኣብቲ ብዛዕባ ምውጻኦም ዝዘርግሖ ሓበሬታ ነቲ ወታሃደራዊ ምክልኻል እታ ሃገር ዘለዎ ድጋፍ ሓቢሩ ኣሎ። ነቲ ናይ ምውጻእ ስጕምቲ ባዕላቶም ከም ዝወሰዱዎ ድሕሪ ምሕባር ድማ ዝግበኦም ፍርዲ ንምርካብ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ ንሰራዊት መንግስቲ፡ “ናብቲ ናይ ኣል-በሽር ዝነበረ እስላማዊ ስርዓት ንምምላስ ይጽዕር ኣሎ፡” ክብል ይኸሶ።

ኣብ 2019 ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር፡ ኣብ ዳርፉር ብዝተጻወቶ ተራ ብዓለማዊ መጋብኣያ ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝድለ’ዩ።

XS
SM
MD
LG