ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ኣብ ነቀምቴ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዞባታት ወለጋ ምስ ዝተወከሉ ዝተፈላለዩ አካላት ማሕበረሰብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ህዝቢ ሰላም ብምርግጋፅ ገፁ ናብ ልምዓት ከዝውር ኣተሓሳሲቦም።

ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መልሲ ምሃቦ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓደ ካብ ተሳተፍቲ "ፀገም ምዕራብ ኦሮሚያ ስለምንታይ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈትሐሉ ኣገባብ ኣይፍታሕን" ዝብል ዝቐረበ ሕቶ ‘"እቶም ዕጡቓት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ክኣትው ይኽእሉ እዮም" ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር መሊሶም።

እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ሎሚ ገለልተኛ ኣላዛቢ ክሓቱ ዝፀንሑ እንተኾኑ እውን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብዚ ጉዳይ ዝበሉዎ የብሎምን።

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ዋና ኣመሓዳሪ'ቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ካልኦት ሰበስልጣን ፌደራልን ክልልን ብምዃን ናብቲ ከባቢ ምምርሖም መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ፀብፂበን ኣለዋ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ብዘቑፀረ ፀገም ፀጥታ ኣብ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ስግኣት ምሕዳር ምቕፃሉ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

XS
SM
MD
LG