ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሞይቱ" ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ገበነኛ ኣብ ታንዛኒያ ተታሒዙ


South Africa Power Cuts Resignation
South Africa Power Cuts Resignation

(ዋሽንግተን) ዝሞተ መሲሉ ካብ ቤት ማእሰቲ ዘምለጠ ብቕትለት ዝተፈረዶ ደቡብ ኣፍሪካዊ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ኣለሻ ኣብ ታንዛኒያ ከም ዝተታሕዘ ፖሊስ ገሊፁ።

"ናይ ፌስቡክ ዓማፂ" ዝብል ሽም ዝተውሃቦ ወዲ 35 ዓመት ታቦ በስተር እንተወሓደ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ንምስዳዕ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሙ ብዝብል ዝተፈረዶ እዩ። ንሓንቲአን ብምቕታል እውን ገበነኛ ተባሂሉ።

በስተር ኣብ 2012 ኣ/ፈ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ኣብ ውሽጢ ናይ ማእሰርቲ ክፍሉ ብባርዕ ሓዊሱ ከምዝሞተ ተገሊፁ ነይሩ። ፀኒሑ ግን ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ከምዝተርኣየ ሓበሬታታ ክወፁ ጀሚሩ። መን ምዃኑ ብዘይፍለጥ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ናይ ማእሰርቲ ክፍሊ ተቓፂሉ ዝሞተ ሰብ ናይ DNA ሓዊሱ ዝተኻየደ ምርመራ ናይ ካሊእ ሰብ ኮይኑ ተረኺቡ።

ምስ ፍልጥቲ ሞዛምቢካዊት ዶክተር ዓርኩ ማሕተም ዘይብሎም ብርክት ዝበሉ ናይ ሓሶት ፓስፖርታት ሒዞም ካብ ዶባ ኬኒያ ዓሰርተ ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ተታሒዞም።

ሰበስልጣን ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ክወስዱዎ መስርሕ ጀሚሮም ኣለው። ብዙሓት ክስታት ክቐርቦ ትፅቢት ይግበር።

ምስ ናቱ ምምላጥ ካብ ማእሰርቲ ተኣሳሲሩ እንተወሓደ ሰለተ ሰበስልጣን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተባረሩ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG