ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባህርዳር ብዝወረደ ፍንጀራ ህይወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ


Ethiopia Patriots Victory Day (File)
Ethiopia Patriots Victory Day (File)

(ባህርዳር) ዋና ከተማ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝኾነት ከተማ ባህር ዳር ‘ኣባይ ማዶ’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ መግብን መስተን መሸጢ ትካል፡ ብዝወረደ ፍንጀራ ቦምብ ህይወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ ኣስታት 10 ካልኦት ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ወኪል ሜዲካል ዳይረክተር ኣዲስ ኣለም ሆስፒታል ዶክተር ምትኩ ተገኝ ኣፍሊጦም።

ብናይቲ ከባቢ ኣቆፃፅራ ምሸት ስዓት ሓደን 40ን ከባቢ እዩ እቲ ቦምብ ተተኲሱ።

ኣብቲ ሆስፒታል በዓል ሙያ ፋርማሲ ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ዳኘው መስፍን ብወገኖም እቲ ፍንጀራ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ቅሱላት ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ምርኣዮም ብምግላፅ በዝሒ ምውታት ካብቲ ዝተገለፀ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

ነቲ መጥቓዕቲ መን ከም ዝፈፀሞምን ተወሳኺ ሓበሬታን ካብ ፖሊስ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ትብል ወኪልና ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህር ዳር።

XS
SM
MD
LG