ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመምርሒ መንግስቲ ዝቃወም ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ይቕጽል


Amhara Region Demo (File)
Amhara Region Demo (File)

(ዋሽንግተን) መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሰራዊት መንግስቲ ወይ ሓይሊ ፖሊስ ክኣትዉ ንዘቕረቦ ጻውዒት ንምንጻግ፡ ኣሽሓት ዜጋታት ካብ ክልል ኣምሓራ ሰፋሕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ንራብዓይ መዓልቱ ሎሚ ሰኑይ’ውን ዝቐጸለ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ኣብ ገሊኡ ከተማታት ንመጓዓዚ መካይን’ውን ዝዓገተ’ዩ። ሎሚ ኣብ ከተማ ደሴ ኣሽሓት ተሰለፍቲ ብምውጻእ ንመምርሒ መንግስቲ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ብሰንበት ኣብ ዝተኻይደ፡ ኣሽሓት ዝተሳተፉዎ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ተዅሲ ብረት’ውን ምስማዑ ተፈሊጡ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣባላት ሚሊሻ ፋኖን ነቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝወረደ መምርሒ ተቓዊሞም ክሳብ መወዳእታ ክጽንዑ ምዃኖም የምልክቱ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ “እቲ መደብ ንሓድነትን ድሕነትን ኢትዮጵያ’ዩ” ክብሉ ገሊጾሞ። እቲ መምርሒ ንዓሰርተ ሓደ ክልላት ዝምልከት’ዩ። እቲ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሰሓበን ተቓውሞ ዝገጠሞን ግን ኣብ ክልል ኣምሓራ’ዩ።

ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ምስ ምሕያሎም፡ መንግስቲ ሽግራት ይገጥሞ ምህላዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም፡ ብሰንበት፡ ኣመልኪቶም። ሓደ ካብቲ ዝርአ ዝበሉዎ ጸገማት ድማ ናይ ተፍትሽ ብሎኮታት ብምፍጣር ንዘርፊን ምጥፍፋእን ይመርሕ ምህላዉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሮም።

እቲ መስርሕ ብዝዀነ ዋጋ ክትግበር’ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ነቲ መምርሒ ንዝተቓወሙ ወገናት ግን ሕጊ ናይ ምትግባር መስርሕ ክካየደሎም፡” ምዃኑ ኣጠንቂቖም።

ኣብ ጎንደር፡ ነቲ መምርሒ ዝተቓወሙ ተሰለፍቲ ንሰማይ ጥይት ይትኵሱ ምንባሮም ተሓቢሩ። ኣብ ከተማ ቆቦ’ውን ክሳብ ከቢድ መድፍዕ ምትኳሱ፡ ንምንጭታት ብምጥቃስ ሮይተርስ ኣስፊሩ። ነቲ ዝተሰምዐ ከቢድ ብረት መን ከም ዝተኰሶ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን። እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ በበይኑ ከተማታት ብተመሳሳሊ ምንባሩ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እንተዀነ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ይለቃል ከፋለ፡ እቲ መምርሒ መንግስቲ ብጌጋ ከም ዝተተርጐመ ኣመልኪቶም። እቶም ፕረዚደንት ህዝቢ ንኽሃድእ ብምጽዋዕ፡ እቲ መስርሕ ብፍሉይ ንኽልል ኣምሓራ ዝጸሉ ዘይኰነስ ንዅላተን ክልላት ስለ ዝዀነ እቲ ተቓውሞ ክሃድእ ጸዊዖም።

ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻ ፋኖን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፈደራል ደኣ ይሰለፉ እምበር፡ እቲ ዝምድና ግን ቀልጢፉ’ዩ ሻሕኪሩ።

ነቲ መምርሒ መንግስቲ ኣትሪሮም ዝቃወሙ ዘለዉ ወገናት ክልተ ዓበይቲ ስክፍታት የቐምጡ። መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ንተወላዶ ኣምሓራ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ጸማም እዝኒ ሂቡዎ ዝብል ሓደ ምጕት’ዩ። ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሚዛን ሓይሊ ክልወጥን ከም ዝኽእል ድማ ይኣምኑ። እቲ ካልኣይ ዝለዓል ነጥቢ፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት፡ ብኣምሓራ ዝመሓደር ዘሎ፡ ምስ ክልል ትግራይ ዝመሓደር ዝነበረ ቦታታት መንግስቲ ናብ ቀደሙ ከይመልሶ’ውን እቲ ካልእ ዝስማዕ ስክፍታ’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ካብ ሰራዊት ምልኻልን ክልል ኣምሓራን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጠ ጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG