ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ መምርሒ ጸጥታ መንግስቲ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ


Hawassa Conflict
Hawassa Conflict

(ኣዲስ-ኣበባ) መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣፍሪሱ ናብ ካልኦት ትካላት ጸጥታ ንምሕዋስ ይወስዶ ዘሎ ስጉምታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ’ቲ ክልል ተቓውሞ የጓንፎ ኣሎ።

ህዝቢ ሰሜን ወሎን ምዕራብ ጎንደርን፡ ንጽርግያታት ብምዕጻው፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያድን ንጎማ ብምንዳድን ቁጥዕዑ ይገልጽ ከምዝነበረ’ውን ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ዝተፈላለዩ ፓርቲታት’ውን ንኣተጋብራ መደብ መንግስቲ ዝቃወም መግለጺ ኣብ ምውጻእ ይርከቡ። ካብ ሞንጎ’ቶም ፓርቲታት ኢዜማን ባልደራስን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘እቲ ስጉምቲ፡ ግልጹነት ዝጎደሎን ካልእ ጸገም ከስዕብ ዝኽእልን እዩ፡" ኢሎም።

ሚኒስቲር ዴኤታ ኮሚኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ብወገነን ‘እቲ ስጉምቲ ኣብ ኩለን ክልላት ብተመሳሳሊ ጊዜ ይፍጸም ከምዘሎ’ ሎሚ ዓርቢ ገሊጸን።

XS
SM
MD
LG