ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊት ነፋሪት ጃፓን ተሰዊራ


Japan Helicopter Crash
Japan Helicopter Crash

(ዋሽንግተን) ሰራሕተኛታት ሓደጋ ጃፓን፡ ንኣሰር’ታ ኣብ ጥቓ ታይዋን ዝተሰወረትን ካብ ራዳር ዝጠፍአትን ወታሃደራዊ ሄሊኮፕተር ኣብ ምትእልላሽ ይርከቡ።

ንብዓቶም ምቁጽጻር ዝኣበዮም ሚኒስቲር ምክልኻል ጃፓን ያሱካዙ ሃማዳ፡ ኣብ’ታ ሄሊኮፕተር ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ብህይወት ዝተረፈ የለን ኢሎም።

ኣዛዚ ኣጋር ሰራዊት ጃፓን ያሱኖሪ ሞሪሺታ ብወገኖም ‘እታ ብላክ ሃውክ ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር፣ ኣብ ባሕሪ ከም ዝወደቐት ዝሕብሩ ኣካላት ከምዝተረኸበ ጠቒሶም።

ኣብ ውሽጢ’ታ ሓደጋ ዘጋጠማ ሄሊኮፕተር 10 ሰባት ተሳፊሮም ነይሮም። ካብ ግዝኣት ታይዋን ኣስታት 400 ኪ/ሜ ርሕቀት ወታሃደራዊ ዳህሳስ ኣብ ምፍጻም ከምዝነበረት’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG