ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀሪያን ካሜሮንን ዕጡቓት ሲቪላውያን ዜጋታት ይቐትሉን ይጨውዩን


Nigeria Attack
Nigeria Attack

(ዋሽንግተን) ሩቢን ባኮ ዝተባሃለ ከባቢያዊ በዓል ስልጣን ናይጀሪያ ንኣሶሴትድ ፕረስ ከም ዝገለጾ ‘እቶም ዕጡቓት ረቡዕ ን47 ሰባት፣ ሰሉስ ድማ ንሰለስተ ሰባት ቀቲሎም’ ይብል።

እቲ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ዘረጋገጸ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ብወገኑ ‘እቶም ዕጡቓት ኣብ ማእከል ዕዳጋ ተዂሲ ከም ዝኸፈቱ ሓቢሩ።

መንቀሊ’ቲ መጥቃዕቲ ግና ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝፍጠር ምስሕሓብ ሓረስቶት ኣብ’ቲ ከባቢ ከም ዝኽሰት እቲ ዜና ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዕጡቓት ኣብ ምዕራባዊ ካሜሩን ድሕሪ ዝፈነውዎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ፣ ብውሑድ 25 ሰባት ከምዝተጨወዩ ከባቢያዊ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፓትሪክ ታህ አብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ጥቃ ዶብ ምስ ናይጀርያ መንነቶም ዘይተነጸረ ዕጡቓት ድሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ከምዝተፈናቀሉ፡" ሓቢሩ አሎ።

ፋሉላት ዕጡቃት ካብ ክልቲኤን ሃገራት እናተበገሱ መጥቃዕቲ ይፍንውሎም ከም ዘለዉ ዝገልጹ ካሜሮናዊያን፣ መንግስቶም ሓለዋ ንከጠናኽር ይሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መንጎ ተዛረብቲ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ካሜሮናዊያን ብዝላዓለ ጎንጺ ብርክት ዝበሉ ሞይቶም፣ ቆሲሎምን ተፈናቂሎምን ኣለዉ። ዛጊድ ብሰንኪ ዝተኸሰቱ ግጭታት፣ ልዕሊ 3300 ሰባት ሞይቶም፣ ልዕሊ 750 ሽሕ ተፈናቂሎም እዮም ይብል ሕ/ሃ።

XS
SM
MD
LG