ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ንምንዋሕ ምስግጋር ስልጣን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ


Rally marking the anniversary of the April uprising, in Khartoum
Rally marking the anniversary of the April uprising, in Khartoum

(ዋሽንግተን) ወተሃደራዊያን መራሕቲ ሱዳን፡ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዝተጀመረ መስርሕ፡ ትማሊ ሓሙስ ደውታ ምስ ኣጓነፎ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ናብ ሰልፊ ከምዝወጹ ተሓቢሩ።

ሓደ ካብ’ቶም ተሰለፍቲ ዋሊድ ኣደም ከም ዝገለጾ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቓወምቲ ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሱ ኣመልኪቱ። ዝወረደ ጉድኣት ግና የለን።

እቶም ተሰለፍቲ፡ ወታሃደራዊ መራሕቲ ኣብ’ቲ መስርሕ ምስታፎም ዘፍቅድ ውዕል ኣይቅበሉን።

እቲ ብመርበባት ዴሞክራሲ ዝምራሕ ሰልፊታት፣ ካብ ደቡባዊ ካርቱም ክሳብ ቤተ መንግስቲ ተዘርጊሑ ከምዝነበረ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ። ናይ ትማሊ ሰልፊ ዳግም ዝተጸወዐ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ደሞክራሲን ዝጀመሩዎ ልዝብ ንኻልኣይ ጊዜ ድሕሪ ምንውሑ እዩ። እቲ ልዝብ መዓስ ከም ዝቕጽል ኣይተገለጸን።

XS
SM
MD
LG