ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ክልላት ሓይሊ ክጽንብር ምዃኑ ይሕብር


Ethiopia Communication Minister Logo
Ethiopia Communication Minister Logo

(ዋሽንግተን) መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኩሎም ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፡ ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ወይ ከኣ ናብ ፈደራላዊን ክልላዊን ሓይሊ ፖሊስ ንምጽምባር ውጥን ከም ዘለዎ፡ ትማሊ ሓሙስ መግለጺ ኣውጺኡ። እዚ ተበግሶ’ዚ፡ ንናይ ክልላት ርእሰ ምሕደራ ከምዚ ዘነኣእስ ኮይኑ ክርአ ከም ዝኽእL ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ የምልክት።

‘’መንግስቲ ሓደ ድልዱልን ምእኹልን ሰራዊት ናይ ምምስራት ኣንፈት ብምሓዝ ፍሉይ ሓይልታት ኩለን ክልላት ኣብ ዝተፈላለዩ መሓውራት ፀጥታ ናይ ምፅንባር ግብራዊ ስጉምትታት ምውሳድ ጀሚሩ ኣሎ’’ ይብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

ቅድሚ ስዓታት ናይቲ መግለፂ መራኸቢ ብዙሃን ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሃገራዊን ክልላዊን ሓይልታት ግጭት ከም ዝነበረ ፀብፂበን ኣለዋ። ምኽንንያት ድማ ኣሃዱታት ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ኣፅዋር ኣይነረክብን ስለ ዝበላ እዩ ተባሂሉ።

ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ብሮይተርስ ርእይቶ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ መግለፂኡ ኣብ ኣምሓራ ወጥሪ ከምዝንሃረ ብምርግጋፅ ምኽኒያት ናይዚ ድማ ንፖሊሲ መንግስቲ ብዘይምርዳእን ኣብ ውሽጢ እቲ ክልላዊ ሓይሊ ዝርከቡ ጫፍ ዝሓዙ ጉጅለታትን ምዃኖም ይጠቅስ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ገለ ካብ ፖለቲካውያን ውድባት ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ዝተሓበረ ምጽንባር ፍሉይ ሓይልታት ክልል ዘለዎን ቅሬታ የካፍላ ኣለዋ። ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግባረ እቲ መስርሕ እኹል ምዳልዋትን ዕቱብ ክትትልን ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ። ወሃብ-ቃል እቲ ውድብ ዶክተር ሙሉኣለም ተገኘዎርቅ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ውቦም ንናይ ክልላት ሓይልታት ካብ መሰረቱ ክቃወሙዎ ከም ዝጸንሑ ብምሕባር፡ “እቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ ግን ንጹርነት ዝጎደሎን ናይ ትግባረ እዋኑ ድማ ዘሰክፍን’ዩ፡” ኢሎም።

Recommended

XS
SM
MD
LG