ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ሱዳን ተሰጋጊሩ


Sudan
Sudan

(ዋሽንግተን) ንሱዳን ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር ዝዓለመ ስነ ስርዓት ምፍርራም ውዕል ወታሃደራዊ መራሕቲን ሓውሲ ሰራዊትን፡ ሎሚ’ውን ከምዝተናወሐ ተፈሊጡ።

ሓይልታት ኣዋጅ ነጻነትን ለውጢን ተባሂሉ ዝፍለጥ ግንባር እዩ እቲ ስነ ስርዓት ከም ዝተናወሐ ዘፍለጠ። ክልቲኦም ወገናት ይላዘቡ ከምዘለው’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ሲቪላት ተቓወምቲ ሱዳን፡ ንዝኽሪ ኣንጻር ወትሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ዝቀራረብሉ እዋን፡ ጎደናታት ካርቱም ጸው ኢሎም ከም ዝነበሩ ተሓቢሩ።

ትካል ዜና ፈረንሳ ከም ዘመልክቶ፡ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር፡ ሎሚ ሓሙስ ናብ ስራሕ ዘይውፈረላ ዕለት እያ ከምዝበሉን ብርክት ዝበለ ሰራዊት ኣብ ጎደናታት ተዋፊሩ ከም ዝነበረን ጠቒሱ።

ሎሚ ሓሙስ፡ ተቓወምቲን ሰራዊትን’ታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ ንምስግጋር ውዕል ዝፈራረሙላ ዕለት እያ።

ሰራዊት ሱዳን ብገበን ኹናት ከምዝተኸሰሰ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG