ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርክብ ፕረዚደንት ታይዋን ምስ መራሕቲ ኣመሪካ ምትፍናን ይፈጥር


Taiwanese President Tsai Ing-wen attends an event with members of the Taiwanese community, in Los Angeles
Taiwanese President Tsai Ing-wen attends an event with members of the Taiwanese community, in Los Angeles

(ዋሽንግተን) ሰበ ስልጣን ኣሜሪካን ፕረዚደንት ታይዋንን ስለዝተራኸቡ፣ ቻይና ልዕሊ መጠን ግብረ መልሲ ክትህብ ኣይግባእን ይብል ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ቻይና ነቲ ኣብ ሕሉፍ ጊዜ ደጋጊማ ዝፈተነቶ ሎሚ’ውን ክትደግሞ ኣገዳሲ ኣይኮነን። መራሒ ታይዋን ቅድሚ ሎሚ 6 ጊዜ ዝፈጸመኦ ተግባር እዩ። ናይ ውልቂ መገሻ እዩ። ስለዚ፡ ንምንህሃርን ልዕሊ መጠን ግብረ መልሲ ንምግባርን ከም ሰበብ ምጥቃም ኣየድልን’ ይብል።

ኣመሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ቅድሚ ኣስታት 44 ዓመታት እያ ኣቋሪጻቶ።

ኣመሪካ ነቲ ሓንቲ ቻይና ዝብል ፖሊሲ ተኽብሮ እያ። እንተኾነ ቻይና ንታይዋን ኣካል ግዝኣተይ እያ ምባላ ኣይትቅበሎን።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካን ፕረዚደንት ታይዋንን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታቶም፣ ናይ ምትሕብባር ርክብ ዝቅጽልለሉ ኣገባብ ተዘራሪቦም።

ናይ ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ርክብ ዝተካየደ፣ ቻይና ኣብ ዝተሓነየትሉን ምስ ዩናይትድ ስቴትስን ታይዋንን ውጥረት ኣብ ዝናሃረሉን ጊዜ እዩ።

ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ሮናልድ ሬገን ካሊፎርንያ ንብዙሓት ኣባት ቤት ምኽሪ ዝመርሖም ምስ ፕረዚደንት ሳይ ኢንግ ዌን ዝተራኸቡ ኣፈ ጉባኤ ኬቭን ማካርትይ፣ ምስ ታይዋን፣ ንቁጠባዊ ነጻነት፣ ዴሞክራሲ፣ ህድአትን ሰላምን እስያ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ተንታኒት ቻይና ፐትሪሽያ ኪም ‘እቲ መገሻ: ግብረ መልሲ: ቻይና ኣብ ብርክት ዝብሉ ግንባራት ትስዕቦ ዘላ ወራር እዩ ክትብል ትገልጾ።

በዓል ስልጣን ቻይና ብወገኑ፣ እቲ ናብ ኣሜሪካ ዝተገብረ መገሻ፣ ተኹታኻይ ስጉምቲ ክብል ይነቕፎ።

XS
SM
MD
LG