ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

400 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም


 migrants attempt to reach Spain's Canary Island
migrants attempt to reach Spain's Canary Island

(ዋሽንግተን) ኣብ ማልታ ን 11 ሓደ ስዓታት ብዝተኻየደ ስርሒት ልዕሊ 400 ፍልሰተኛታት ካብ ጀልባ ምድሓኖም ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ።

ናይ ርድኡኒ ፃዊዕት ድሕሪ ምስ ተደወለ እዩ እቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ተኻይዱ። ጆዮ ባረንትስ ዝተባህለት ናይቲ ገባሪ ሰናይ መርከብ ኣድሕን ህይወት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ርድኡና ፃውዒት ትማሊ ሰሉስ ምስ ተቐበለት ኣብታ ጀልባ ብምብፃሕ ኣብቲ ማዕበል ዝበዝሖ ማይ ድሕሪ ልዕሊ 10 ሰዓታት ናይ ኣለሻ ስርሒት ኣብታ ጀልባ ምብፅሑ እቲ ገባሪ ሰናይ ኣብ ቲዊተር ዝዘርግሖ መልእኽቲ ሓቢሩ።

እቲ ንህይወት እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ማዕበል ነቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ስለዘይፍቀደ እታ መርከብ ኣድሕን ህወይት ፈጣን ጀልባታት ብምጥቃም ከምዘድሓነት እቲ ገባሪ ሰናይ ኣብቲ መልእኽቲ ገሊፁ። ድሕሪ 11 ሰዓታት ናይ ምድሓን ስርሒት ተዛዚሙ ኣሎ፤ 8 ቆልዑን 30 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም እዩ ኢሉ።

ናይ ጣሊያን ርሑቕ የማናይ ክንፊ ኣሕዋት ጣሊያን ናይ ዝተብሃለ ፓርቲ መራሒት ዝኾነት ቀዳመይቲ ምንስቴር ጂዮርጂያ መሎኒ ቍፅሪ ናብ ጣሊያን ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምንካይ መፅብዓ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ጥቅምቲ ስልጣን ሒዛ። እቲ ሓዱሽ ሕጊ መራኽብ ኣብ ሓደ ግዜ ሓደ ናይ ምድሓን ስርሒት ጥራሕ ከካይዳ ዘገድድ እዩ። ነቐፍቲ ግን ኣብ ማእኸል ሜዲራኒያ ሓደጋታት ሞት ዝውስኽ እዩ ይብሉ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ጣሊያን እተን መራኽብ ገበርቲ ሰናይ ደፋእቲ ስደትን ንንግዲ ደቂ ሰባት ዘተባብዓን እየን ክብል ይኸስስ።

XS
SM
MD
LG