ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ "ህውከት ንምጣር ዓሊሞም" ዝበሎም ዜጋታት ምእሳሩ ኣፍሊጡ


ethiopia
ethiopia

“ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ሃገራዊ ህውከትን ናዕብን ንምልዕዓል ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒለ” ክብል ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣፍሊጡ። መንበሪኦም ኣብ ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ዝገበሩ ምሁራን፡ወነንቲ ሚዲያታትን ኣክቲቪስታትን ዝሓቖፈ ሕቡእ መሓውር ብምፍጣር ሃገር ለኸ ህውከትን ዕግርግርን ንምልዓል ብምስጢር ይንቀሳቐሱ ነይሮም ክብል እቲ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።

ወታደራዊ ክንፊ ብምውዳብ ብብረት ዝተሓገዘ ናይ ከተማ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ትልሚ ነይሩዎም ኢሉ እቲ ግብረ ሓይሊ። ብሕቡእ ውዳበ ክሳተፉን ከተሓባብሩን ሒዘዮም ዝበሎም ዝርዝር ውልቀሰባት ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ካብ መንጎ ዝዘርዘሮም ውልቀሰባት ውሽጢ እቶም ሓሙሽተ ብቕድሚ ትማሊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ምክትታል ከምዝርከቡ ካብ ጠበቓታቶም ሓደ ዝኾኑ ሰሎምን ገዛኸኝ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።ኣብቲ ዝርዝር ሽሞም ዘይተጠቐሱ ምኽትል ፕሬዝዳንት ‘ባልደራስ’ ኣቶ ኣምሃ ዳኘው ምስቶም ሓሙሽተ ኣብ ናይ ሓባር መዝገብ ክሲ ከምዝተመስረቶም ተዛሪቦም።

ካብቶም ሽዱሽተ ውልቀሰባት እቶም ሓሙሽተ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ናይ 14 ማዕልታት ቆፀሮ ብምቅዋም ይግባይ ምቕራቦም ጠብቓ ሰለሞን ገዛኸኝ ገሊፆም።

ካብ ተጠርጠሪ ሓደ ዝኾኑን ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይከታተሉ ናይ ዘለው ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሲሳይ ኣውግቸው ብዓልቲ ቤት ዝኾነት ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ ብዓል ቤታ ኣብ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሓገዝ ካብ ምውፋር ወፃኢ ብገበን ዘጠርጥሮ ነገር ኣሎ ኢላ ከምዘይትኣምን ገሊፃ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ንካልኦት ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ እንተገለፀ እውን እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እንተኾይኖም እቲ መግለፂ ኣይሓበረን።

XS
SM
MD
LG