ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣመሪካ፡ ንዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምትዕንቓፍ ትሰርሕ ኣላ፡” ሚ/ር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ


Russian Foreign Minister Sergei Lavrov meets with Nicaraguan Foreign Minister Denis Moncada in Moscow
Russian Foreign Minister Sergei Lavrov meets with Nicaraguan Foreign Minister Denis Moncada in Moscow

(ዋሽንግተን) ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ “ንሞስኮ ንምግልላ፡ ኣመሪካ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ርክብ ኣፍሪቃን ሩስያን ከተተዓናቕፍ ትጽዕር ኣላ፡” ክብሉ ከሲሶም። እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ፡ ምስ ማዕከን ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገብሩዎ ቃለ-መሕትት፡ “ሩስያ ዝዀነ ምስጢራዊ ኣጀንዳ የብላን፡ ንመሓዙትና ድማ እዚን እዚን ግበሩ ኢልና ኣነባብራ ህይወቶምን ኣገብባ ኣመሓድራኦምን ክንሕብሮም ኣይንፍትንን ኢና፡” ኢሎም።

ሩስያ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ዋዕላ ክትገብር ኣብ ምሽብሻብ’ያ ዘላ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘስፈሮ፡ “ኣመሪካ፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዋዕላ ንኸይሳተፋ ትጕስጕስ ኣላ” ብምባል ሞስኮ ትኸስስ።

ዋሺንግተን ንኽስታት ሞስኮ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበተን። እንተዀነ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ “ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎ ጽምዶ ንሓባራዊ ስራሕን ንኽልተ ወገናት ብማዕረ ዝጠምትን’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ’ውን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት ብዛዕባ ዝገብርኦ ርክብ ኢድ ከም ዘየእቱ ይግልጽ።

ካብ መብዛሕትአን ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ተቓውሞን ተነጽሎም ዘጓነፋ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃን ኤስያ ተቋምት ምህላዋ ብሰፊሑ ይዝረብ።

XS
SM
MD
LG