ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ 34 ክስታት ቀሪቡሎም፣ ንዅሉ ከም ዘይወዓሉዎ ሓቢሮም


Former U.S. president Donald Trump appears in court in New York City
Former U.S. president Donald Trump appears in court in New York City

(ዋሽንግተን) ኣብ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ኒው-ዮርክ ባዕሎም ኢዶም ሂቦም ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ፈለማ መስርሕ ፍርዲ ዝጀመሩ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ክሶም ሰሚዖም ኣለዉ። ብኣኽባር ሕጊ እቲ ከተማ ዝቐረበሎም 34 ክስታት ኰይኑ፡ ንምጥፍፋእ ገንዘብ፡ ናይ ወፍሪ ምርጫ ገንዘብ ናብ ካልእ መዓላ ምውዓልን ንናይ ፖርኖ-ግራፊ ሰራሒት ፊልም መዕበሲ-ኣፍ ዝኸፈሉዎ ገንዘብን የጠቓልል።

ትራምፕ ኣብዚ ቀዳማይ ምስምዕ ነቲ ዝቐረበሎም ክስታት ከም ዘይወዓሉዎ ሓቢሮም።

እቶም ፕረዚደንት ነበር ናብቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቦም ኣብ መንጎ ደገፍቶም ተቓወምቶን ምትፍናን ፈጢሩ ውዒሉ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ነዊሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ሕጊ ይሕብሩ።

ዶልናልድ ትራምፕ ኣማስያኦም ናብ ፍሎሪዳ ተመሊሶም ንወፍሪ ምርጫ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዛረቡ ትጽቢት ይግበር። እዚ ክሲ ነቶም ተወዳደሪ ፕረዚደንት ዝዀኑ ትራምፕ ኣብ ደገፍቶም ዓቢ ናይ ምልዕዓል ስምዒት ክፈጥርን ናብ ጥቕሞም ከውዕሉዎ ከም ዝኽእሉን ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣብ ኣመሪካ ፕረዚደንት ነበር ብኸምዚ ዝመስል ምጥፍፋእ ክኽሰስ ናይ ፈለማ ግዜ’ዩ።

XS
SM
MD
LG