ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሓደ ካብ ሽዱሽተ ናይ መኻንነት ሽግር የጋጥሞም" ውድብ ጥዕና ዓለም


FILE PHOTO: A logo is pictured on the World Health Organization headquarters in Geneva
FILE PHOTO: A logo is pictured on the World Health Organization headquarters in Geneva

ኣብ መላእ ዓለም ካብ 6 ሰባት ሓደ ናይ ዘይምውላድ (መኻንነት) የጋጥም ምህላዉ ትካል ጥዕና ዓለም ሓዱሽ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርቱ ኣመልኪቱ።

መኻንነት ሕማም ስርዓት ምፍራይ ደቂ ተባዕቶ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ኾይኑ ን 12 ኣዋርሕን ልዕሊኡን ብዝፍፀም ስሩዕ መከላኸሊ ዘይብሉ ፆታዊ ርክብ ጥንሲ ክፍጠር ዘይምኽኣሉ ዝግለፅ እዩ።

ዳይሬክተር ጥዕና ስነተዋልዶን ፆታዊ ምርምርን ትካል ጥዕና ዓለም ፓስካል ኣሎተይ “መኻንነት ሕክምናዊ ክትትል ዘድልዮን ክሕከም ዝኽእል እዩ፡” ንሰን ወሲኸን ንጉዳይ መኻንነት ብዝበለፀ ተገንዚቡ ፖሊሲ አብ ምቕራፅ ቀዳምነት ክህብ፣ ኣገልግሎታት መርመራ መኻንነት ዝያዳ ምትእትታውን ከምኡ'ውን ንጉዳያት ኣገልግሎታት ሕክምንኡ ክፈትሕ ዝኽእል ዝሓሸ መርትዖታት” ክናደየሉ ትካል ጥዕና ዓለም ይፅውዕ ኢለን።

ውላድ ንምርካብ ዝግበር ኣገልት ሕክምና ኣብ ዝደድኸያ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ምስ ኣብ ዝሃብተማ ሃገታት ዝርከቡ ክነፃፀሩ ከለዉ ዘውፅእዎ ዝዓበየ ኮይኑ ይርከብ--ከም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ምኽባር ዋጋ እዚ ሕክምና ድማ ሰባት እቲ ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ ይእግዶም ወይውን ንዝኸፍአ ቅልውላው ቁጠባ የሳጥሖም ምህላዉን ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG