ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ንባጫ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ትነጽግ


United Nations Security Council Russia
United Nations Security Council Russia

ሩስያ ኣብ ምጅማር`ዚ ወርሒ ሚያዝያ ፕረሲደንትነት ባይቶ ጸጥታ ድሕሪ ምስተረከበትን፡ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን “መዓልቲ ሓሶት” ዩ ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምሃበንን: ሩስያ ነቲ ዘረብአን ብትሪ ብምንጻግ: ብሚንስተር ወጻኢኣ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝምራሕ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ከም ዝግበር ኣፍሊጣ`ላ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድን ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮፓ ጆሰፍ ቦረልን፡ ሩስያ ፕረሲደንትነት ባይቶ ጸጥታ ምሓዛ `ኣፕሪል ፉል` ማለት ጸወታ መዓልቲ ሓሶት`ዩ ዝብል መግለጺ ምጥቃሞም ንሩስያ ዘቖጠዓ ይመስል።

ፕረሲደንትነት ባይቶ ጸጥታ ተረኪባትሉ ዘላ እዋን፡ ንዓንድታት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምክልኻል ከም ትጥቀመሉ`ውን ኣፍሊጣ`ላ ሩስያ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ትማሊ ሰኑይ ንሪፖርተራት ክትገልጽ ከላ ግን፡ ሩስያውያን ነቲ መንበር ተጠቒሞም ብዛዕባ ዩክሬን ናይ ሓሶት ሓበረታ ንምዝርጋሕን ኣጀንዳታቶም ንምጉላሕን ክጥቀምሉ`ዮም ኢላ። ኣብ ነብስወከፍ ዝገብርዎ ኣኬባታት ድማ ክንብድሆም ክንፍትን ኢና ኢላ ብምስዓብ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዝያ ብወገኑ፡ ኣብ ሕግታት ባይቶ ጸጥታ ንቕይሮ ነገር የለን- እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ዘርኣናዮ መሪሕነት, ሎሚ `ውን ሓቀኛ ኣተኣላልያ ክንክተል ኢና ኢሉ።

ፕረሲደንትነት ባይቶ ጸጥታ ኣብ መንጎ`ተን 15 ኣባላት ኣብ ወርሒ ወርሒ ዝዘውር ኮይኑ፡ፕረሲደንት ባይቶ ጸጥታ ዝኸውን ነቲ ዝግበር ኣኼባታት ኣብ ምምራሕን, ኣብ ኣመራርጻ ኣጀንዳ ውሳነታት ኣብ ምሃብን ስልጣን ኣለዎ። ብዙሕ ግዜ ድማ ኣኼባታት ብሚንስተር ወጻኢ ዝምርሓሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። ኣብዚ ወርሒ`ዚ ንኣብነት ዝመጽእ ሚያዝያ 24፡ “ምሕላው ዓንድታት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ንኣድማዒ ዓለማዊ ምትሕብባር” ዝብል ኣኼባ ዝመርሖ፡ ሚንስተር ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ክኸውን`ዩ።

ካልእ ዘይተርፉ ኣኼባታት`ውን ኣለዉ- ከም ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሶርያ፡ ማሊ ሊብያ የመን ሀይቲ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ ከምኡ`ውን ኮሎምቢያ ዝበሉ ጉዳያት ክዝተየሎም-ንዕኡ ዝመርሖ`ውን ሰርገይ ላቭሮቭ ክኸውን`ዩ።

ኣምባሳደር ሩስያ ነበንዚያ ነቲ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝበለቶ ሩስያ ሓሶት ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ`ያ ዝብል ክሲ ክምልስ ከሎ፡ ንሱ ኣዘናትዋ ምዕራባውያን`ዩ፡ ንሕና ድማ በንጻሩ ኢና ንሓስብ ክብል መሊሱላ። እኳ ድኣ ብዛዕባ`ቲ ሩስያ ንቆልዑት ዩክሬን ናብ ሩስያ ወሲዳ ዝብል ብምዕራባውያንን ብሚድያን ዝነፍስ ዘሎ ሓሶት ሓደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክነካይድ ኢና ኢሉ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት።

እዚ ጉዳይ`ዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ንምትሓዝ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ውሳነ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ተተኩርሉ ዝነበረ ጉዳይ`ዩ- ሩስያ ንቆልዑት ዩክሬን ዘይሕጋዊ ጥረዛ ተኸቲላ ናብ ሩስያ ወሲዳቶም ዝብል ክሲ። ሩስያ ነቲ ውሳነ ሓላፍነት ዝጎደሎን ሕጋውነት ዘይብሉን ክትብል ነጺጋቶ`ያ።

ሕጂ ሩስያ ነዚ ወርሒ`ዚ ፕረሲደንትነት ባይቶ ጸጥታ ምሓዛ፡ ከም ብሪጣንያ ዝበላ ሃገራት ውን ሩስያ ንኻልእ ሃገር ወሪራ እናሃለወት ንወራራ ምኽኑይነት ክትገብር ብቕዓት የብላን ዝብል ቁጥዓ የስምዓ`ለዋ።

ኣምባሳደር ሩስያ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንዒራቕ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን`ውን ፕረሲደንትነት ባይቶ ጸጥታ ሒዛ ምናባራ ክነዘኻኽር ነፈቱ፡ ሽዕኡ ግን ነዚ ሕቶ`ዚ ኣየልዓልኩምን ዝብል ምላሽ ሂቡ።

XS
SM
MD
LG