ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ወታሃደራውያን መኮንናት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ይበጽሑ


Delegate of Eritrean military officers in Ethiopia
Delegate of Eritrean military officers in Ethiopia

(ዋሽንግተን) ብሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ብራጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ጕጅለ ኤርትራ ትማሊ ሰኑይ ኢትዮጵያ ብምእታው በበይኑ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ከም ዘመልከቶ፡ ዕላማ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ንዘሎ ወታሃደራዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ’ዩ። እቲ ወታሃደራዊ ጕጅለ ናብ ማእከል ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ሓጽቢ ሕዳሴ፡ ቤተ-መዝከርን ካልኦት ቦታታትን በጺሑ ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ጕጅለ ሎሚ ሰሉስ ናብ ክልል ኦሮሚያ ብምጕዓዝ ስራሓት ሕርሻ ከም ዝተዓዘበ፣ ከምኡ'ውን ናብ ማእከል ሓይሊ-ኣየር ኢትዮጵያ (ቢሽዕፍቱ) ምብጻሑ ኢትዮጵያውን ሰብ-መዚ ኣመልኪቶም።

እዚ ብብርጋዴር ኣብርሃ ካሳ ተመሪሑ ዑደት ዝፍጽም ዘሎ ጕጅለ ንላዕለዎት ወታሃደራያን ኣዘዝቲ ከምእኒ ኣዛዚ ማካናይዝድ ኣሃዱ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውሊያይ፡ ብርጋዴር ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም፡ ብርጋዴር ጀነራል ኢዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ)፡ ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤል ሃንስ (ወዲ-ሃንስ)፡ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን ካልኦትን ዝሓቘፈ’ዩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊከን፡ ንሰራዊት ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዅላቶም ተሳተፍቲ ወገናት ገበናት ኲናት ምፍጻሙ ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተጻወቱዎ ተራ’ውን--ነቲ ጕጅለ ዝመርሐ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓዊሱ--ገለ ወታሃደራውያን ሲቪላውያንን መራሕቲ ኤርትራ፡ ብኣመሪካ ማዕቀብ ተገይሩሎም'ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብዝተፈለላየ ወገናት ብወታሃደራቱ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ክስታት ይነጽጎ። ናብቲ ኲናት ካብ መሪሕነት ትግራይ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶ ንነብሰ-ምልክልኻል ምእታዉ ድማ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG